2010-02-16 14:12:31

ማኅበር ግብረ ሰናይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ኣብ ኬፕ ቨርድ ፓራያ ከተማ እቲ ብ 1984 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣፍሪካ ምደረ በዳ ሳሄል ዝርከብ ሕዝቢ ሕንጸትን ካብቲ ጠንቂ ዋሕዲ ዝናምን ደርቅን ዝተኣታትዎ ናይ ሰብኣዊ ሽግራት RealAudioMP3 ንምንጋፍ ሃቂኑ ዝተመሥረተ ጳጳሳዊ ማኅበር ረድኤት ኣገልጋሊ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ ትማሊ ከምዝዛዘመ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ናይጀርያ ማልን ግኒ ቢሳውን ኬፕ ቨርደን ማውሪታኒያን ሰነጋልን ጋምቢያን ቻድን ቡርኪናፋሶን ዘተኮረ ማሕበር ደገፍን ረድኤትን ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝፍጸን ናይ ሰብኣውን ንዋታውን መደብ ሕንጸትን ልምዓትን ክተባባዕ ናይቲ ረድኤት ማኅበር ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኣብ ሰኔጋል ናይ ኮልዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ፔረ ባሰነ ከምዘተሓሳሰቡ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.