2010-02-11 17:15:07

ዓለም ለኸ መዓልቲ ዝሓመሙ


ንመበል 18 ጊዜኡ ዚዝከር ዘሎ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ሎሚ ቅዱስ አቦና ብዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቫቲካን ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብዚ ዕለት እዚ ካልኦት ክልተ ዓበይቲ በዓላት እውን ተዘኪሮም፣ ቀዳማይ ናይ ሉርድ ብፅዕት ድንግል ማርያም በዓል ካልአይ ድማ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሠራሕተኛታት ሐለዋ ጥዕና ማለት ካብ ዚምሥረት ናይ መበል 25 ዓመቱ ጽንብል እውን እዩ።

ሎሚ ንጋሆ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብአሽሓት ዚቍጸሩ ነጋድያን፣ ብሕልፊ ኸአ ብዝተፈላለየ ጸገም ጥዕና ዝሣቀዩ ዘለው ዝርከብዎም ምእመናንን ሠራሕተኛታት ሐለዋ ጥዕናን ካብ ጻት ናብ ጻት መሊአ ልክዕ ሰዓት 10.30 ቅዱስ አቦና ብካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰኒዮም መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም።

አብዚ ምእንቲ ክብሪ በዓል ናይ ሉርድ ብፅዕት ድንግል ማርያምን ምእንቲ ሕሙማትን ምሥጋናን ዚዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ዚስዕብ ስብከት አስሚዖም።

አርባዕቱ ወንጌላውያን ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ማእከል ሕዝቢ ዘሕለፎ ጽዑቅ ሕይወት አሕጽር አቢሎም ብዝገልጽዎ፣ ክርስቶስ ቃል አምላኽ ብምስባኽን ሕሙማት ብምሕዋይን ዝለዓለ ምልክት ቅርበት መንግሥቲ አምላኽ ከምዝገለጸ የዘንትው። ንአብነት ቅዱስ ማቴዎስ አብ ምዕራፍ 4.23 “ኢየሱስ ድማ አብ ኩላ ገሊላ፣ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ እናመሃረ፣ ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔር እናሰበኸ፣ ኣብ ሕዝቢ ጸሎ ዅሉ ዓይነት ሕማም እናአሕወየ ይዘውር ነበረ” ይብል። እታ ነዚ ተልእኮ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለምዚ ክተስፋሕፍሕ ዝተላእከት ቤተ ክርስትያን ነዘን ክልተ መሠረታውያን ተግባራት እዚአን ማለት ስብከተ ወንጌልን ብነፍስን ብሥጋን ምፍዋስን ሸለል ክትብለን አይትኽእልን። እግዚአብሔር ንሰብ ብምልአት እዩ ክፍውሶ ዚደሊ፣ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 2.1-2 እንተተመልከትና ካብ ሥጋዊ ሕማም ምፍዋስ ዓሚቍ መንፈሳዊ ፈውሲ ማለት ኅድገት ኃጢአት ሒዙ ከምዚጐዓዝ ንግንዘብ። እታ አደን አብነትን ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ማርያም “ፈዋሲተ ሕሙማን - ጥዕና ሕሙማት” ቢልና ክነኽብራን ክንጽውዓን እንከሎናኸስ ዘገርም አይኮነን። ቀዳመይትን ፍጽምትን ሐዋርያ ወዳ ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ወትሩ ንቤተ ክርስትያን አብ ጉዕዞአ ክተሰንያ ትርከብ፣ ብኅልፊ ከአ አብ ሥቃይ ንዝርከቡ ፍሉይ ቆላሕታ ትገብር። ሩ ብአሽሓት ዚቍጸሩ ምእመናን አብ ብዙሕ ቦታታት መካነ ንግደት እኖና እግዚእትነ ማርያም ብምንጋድ ጸጋ ዝረኸቡ ነዚ ይምስክሩ። አብ ወንጌል ሉቃስ ቀዳማይ ምዕራፍ እንረኽቦ ጸብጻብ ምብጻሕ እኖና ድንግል ማርያም ናብ ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝሕብረና ነገር እንተሎ እግዝእትነ ማርያም ነቲ ዓቢ ብሥራት ምስ ተቀበለት ንርእሳ ሒዛቶ ሱቅ አይበለትን፣ ናብታ ንቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ትጸንስ ሽድሽተ ወርሒ ዘቍጸረት ዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትሕግዛ ተቀላጢፋ ናብአ ከደት። አብዚ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብዕድመ ንዝደፍአትን ነፍሰጾርን ዝኾነት ቅድስት ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ሐገዝ አምሳል ናይቲ ቤተ ክርስትያን ንሽጉራት እትገብሮ ደገፍ ንርኢ።

ብቅድመይ ዝነበሩ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተምሥረተ ጳጳሳዊ ቤተ ምኽሪ ሠራሕተኛታት ሐለዋ ጥዕና ነዚ ተልእኮ እዚ እዩ ዘረጋግጽ። ናይዚ ሐሳብ እዚ ሃንዳሲ ዝኾነ ቀዳማይ ሊቀ መንበር ናይዚ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ፍዮረንዞ ኣንጀሊኒን ክሳብ ቀረባ ጊዜ ሊቀ መንበር ብምዃን ቀጻልነት ንክህልዎን ዕብየት ናይዚ አገልግሎትን ብዙሕ ዝጸዓሩ ብፁዕ ካርዲናል ሎዛኖ ባራጋንን ብአኽብሮት እዝክሮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ነዚ ሓላፍነት እዚ ተረኪቦም ናይዚ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብምዃን ብትግሃት ዘገልግሉ ዘለው ብፁዕ አቡነ ዛይግሙንት ዚሞውስኪን ንኩሎም ተሓጋገዝቶምን መሣርሕቶምን ልባዊ ሰላምታይን አኽብሮተይን ክገልጸሎም እፈቱ። ኣብ ርእሲ እዚ ንምብዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕሙማት ዕዙዝ አበርክቶ ዝገበሩ ዝተፈለለዩ ማኅበራትን ግለሰባትን አመስግን።

ልዕሊ ኩሉ ግን ልባዊ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ሠናይ ትምኒትን ነዞም አብዚ ተአኪብኩም ዘሎኹም ሕሙማን እገልጽ፣ ኣብዚ ብምምጻእኩም ልዕሊ ኩሉ ከአ ድኻምኩምን ሥቃይኩምን ብምውፋይ ስለ እተቅርብዎ ጸሎት አመስግነኩም። ከምኡ እውን ነቶም ካብ መካነ ንግደት ሉርድ ፋጢማ ቸስቶኮዋን ካልኦት መካነ ንግደት እኖና ማርያምን ብቀጥታ ምሳና ትጽልዩ ዘሎኹም፣ ከማኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቈቢ ሕሙማንን ገዛኹምን ኮንኩም ብረድዮን ተለቪዥንን ትከታተሉ ዘሎኹም ዕዙዝ ሰላምታይ አቅርበልኩም። እቲ ወትሩ ንደቁ ዝሕሉ ጐይታናን አምላኽናን ንኹሉኹም ምቾትን ምጽንናዕን ይሃብኩም። ድሕሪ ምባል ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚአብሔር ብዛዕባ እግዚእትነ ማርያምን መጽሓፈ ቀንዲልን ከምዝዛረብ አዘኻኺሮም፣ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ናይቶም ክብደትን ምሥጢርን ሕይወት ዝፈልጡን አብ ዘድኅን ተግባር እግዚአብሔር ዚአምኑን ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ፣ ኣብ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ብሕልፊ ናይቶም ሕይወቶም ኣብ መንጎ ብሥቃይን ሕማምን ዝሽገሩ ዘሕለፉ ከም በዓል ቅዱስ ካሚሎ ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚአብሔር ቅዱስ ዳምያኖ ቅዱስ በነደቶ መኒ ድምጺ ንሰምዕ፣ ንሕሙማት ንነዊሕ ጊዜ ዘገልገለ ጥራሕ እዩ ሥቃይን ንብዓትን ናይ ሕሙማት ዝፈልጥ፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ግን ብአኡ አቢሉ ፍረ ፍቅሪ ዝኾነ ተአምር ናይ ሓጎስ እውን የስተማቅር፣ እንክብሉ አብ ተመኩሮ ሥቃይ ሕይወትን አገልግሎቱን ዘሎ ዓስቢ ገሊጾም።

ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ አብ ትንቢቱ ምዕራፍ 66.13 “ከምቲ አደ ንውሉዳ እተጸናኖኦ ከምኡ ከጸናንዓኩም እየ፣ አብ ኢየሩሳሌም ከአ ክትጸናንዑ ኢኹም” ዝበሎ ቤተ ክርስትያን ከም ማርያም ኣብዚ ምድራዊ ንግደትና ንዘጓንፍ ኩሉ ጸበባ ደቂ ሰባት አብ ልባ እናሓዘት አደ ኮይና ተጸናንዕን ተገልግልን፣ እንኪብሉ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን አንጺሮም።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ምሥጢረ መጽሓፈ ቀንዲል እውን ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚአብሔር ተመርኵሶም አስተምሂሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.