2010-02-11 17:18:41

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት መበል 18 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት-ለካቲት 11 2010 ዓ.ም.ፈ.


ዝኸበርኩም ኣኅዋትን ኣኅትን፤ ናይ ሎሚ ዓመት መበል 18 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ልክዕ ምስቲ ሉጢርጊያዊ ዝኽሪ ዓመታዊ ናይ ማርያም ሉርድስ በዓል ተደሪቡ ኣብ ዚመጽእ 11 ለካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኪበዓል መደብ ወጺኡ ኣሎ።

እዚ ዕለትዚ ምስቲ ምሩጽን ንመበል 25 ግዜ ዚበዓል ዘሎን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ተደሪቡ ይውዕል ስለዘሎን ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ሓዋርያዊ ናይ ጥዕና ክንክን መዳይዚ ዓቢይ ዕማም ተሰላሲሉ ስለዘሎን ናብ ኣምላኽ ምስጋና እነቕርበሉ ዳግማይ ምኽንያት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። በዚ ምኽንያትዚ ኣብዚ ምዱብ መዓልቲዚ ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማትን ኣለይቶምን ለጋስ ሓዋርያዊ ደገፍና እነንጸባርቐሉ ዕለት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ምስዚ ዓመታዊ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሕሙማትዚ፡ ኣብዚ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ናይ ጥዕና ክንክን፡ ዝያዳ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኪግበር ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣብ ቤተክህነታዊ ማሕበረሰብ ኣፍልጦን ንቕሓትን ክብ ንምባል፣ ቤተክርስትያን፡ ንርሑቕ ዚኸይድ ኣሰራርሓ ክተተግብር ኣሚማ ኣላ። ስለዚ እዚ ናይ ኣገልግሎትዚ መዳይዚ፣ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ተልእኮ ወሺጡ/ዓሚቑ ስለዝተሰረተ እዚ ብውህደት ኪዕመም ዘለዎ ሓደ ናይ ቤተክርስትያን ዓውዲ ናይ ተሳትፎ እዩ። እቲ ዘለዓለማዊ ሓኪም “….ንሱ ከኣ ኣምላኽ ምስኡ ዝነበረ፣ ኣብ ኵሉ ጽቡቝ ከም ዝገበረን፣ ንዅሎም እቶም ሰይጣን ዝኣሰሮም ከምዘሕወየን” (ግብ. ሓዋ. 10:38)፣ እቲ ናይ ወዲ ሰብ ስቅያት’ውን፣ ኣብ ምሥጢረ-ሕማማቱ ማለት ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤኡን እዩ ትርጉምን ምልኣትን ዘለዎ ብርሃን ዚረክብ።

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ንፍስኄር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ፣ ኣብታ “ሳልቪፊቺ ዶሎሪስ” እትብል ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ብዙሕ ንኂሊና ብርሃን ኪህብ ዚኽእል ቃላት ኣወፍዮምልና እዮም። “ስቓይ ወዲሰብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ዚረክብ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሕማማትን ስቓይን እዩ” በሉ’ሞ ቀጺሎም ከኣ “በዚ ኣቢሉ ከኣ ናብ ሓደ ፍጹም ሓድሽ ዝኾነ መኣዝንን ሓድሽ ትእዛዝን ይኣቱ። እዚ ስቓይዚ ናይ ፍቕሪ ውጽኢት እዩ። …..እዚ ፍቕሪዚ ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝተረኽበ ህያብ እዩ።፣ እዚ ስቓይ’ዚ እቲ ካብ እከይ ዘላቕቕ፣ ልክዕ ከምቲ ዓለም ናብቲ ዝለዓለ ናይ ድኅነት ተግባር ማለት ናብ ናይ ክርስቶስ መስቀል ከምእትጥምት ዚገብረናዩ። መስቀል ምንጪ ናይ ኵሉ ፍቕሪ’ዩ። ከምኡ ከኣ መስቀል ናይ ክርስቶስ እቲ ዘለዓለማዊ ዚኾነ ወሓዚ ሩባ ዚዛርየሉ ዓይኒ ማይ እዩ።

ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብቲ እዋን ድራር ናይ ዕለተ-ሓሙስ: ቅድሚ ናብ ኣቡኡ ምምላሱ: ነቲ ናይ መስቀሉ ዝለዓለ ፍቕሪ እናተጸበየ: ኣእጋር ኣርድእቱ’ዩ ተምበርኪኹ ሓጺቡ። በዚ ተግባር’ዚ ኣቢሉ ነ’ርድእቱ ኣብ ከምኡ ዚኣመሰለ ናይ ፍቕሪ ኣገባብ ንኪሳተፉ፣ “ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ክትገብሩ ኣርኣያ ሂበኩም ኣሎኹ”። ነቶም ትሑታንን ደለይቱን ግበሩሎም (ዮሓ. 13: 12—17)። ነዚ ንኣብነት’ዚ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ዳግማይ ኪነብሮ ጽዉዕ’ዩ። ብዝተፈልየን ብዝተሓደሰን ኣገባብ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣምሳል ለቢስና ብዚሓልፎ ዝነበረ መንገዲ ሓደ ብኸተረቲ ክሳዕ ናብ ሞት ዚቕርብ ወቒዖም ኣብ ገምገም መንገዲ ምስገደፍዎ፣ “ሓደ ሳምራዊ ኃላፍ መንገዲ ግና ናብኡ መጺኡ ምስረኣዮ ከኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቀሪቡ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ፣ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ። ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑ’ውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ውሲዱ ተኸናኸኖ። ንጽባሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ ነቲ ሓላው ማኅደር ኣጋይሽ ሃቦሞ ተኸናኸኖ። ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ከኣ ምስ ተመልስኩ ክፈድየካ እየ በሎ (ሉቃ10: 33—35)።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ምስላዚ ኢየሱስ ከምዚ በለ፣ “እምበኣር ኪድ’ሞ ንስኻ’ውን ከምኡ ግበር” (ሉቃ 10:37) በሎ። ኢየሱስ በዘን ቃላት እዚአን ጌሩ ነቶም ኣብ ጎደናታት ናይዛ ዓለምዚኣ እንረኽቦም ብኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ሕማማት ዚተጠቕዑ ብዙሓት ኣኅዋትን ኣኃትን፣ ትሕት ኢልና ክንገልግሎም ይእዝዘና። ብጸጋኡ ርድኢትና ሰፊሑ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ክንቅበሎን ክንነብሮን እሞ እቲ ናይ ሕሙማት ናይ ስቓይን ቃንዛን ተመክሮ ናብ ትስፍው ሃዋህው ክንልውጦ ንሱ ኪሕግዘና’ዩ። ከም ሓቂ ከምቲ ኣብ “ስፐ ሳልቪስ” እትብል ዓዋዲት መልእኽተይ ከምዘመልከትክዎ “ክንሓዊ እንተኾይንና ካብ ስቓይና ሃዲምና ወሰን ብምሓዝ ዘይኮነ፣ እንታይ ደኣ በቲ ዚህበና ጸጋ-ክእለት ምስእንቕበሎን ሳልኡ ብስለት ረኺብና ምስቲ ንዅሉ ስቓያቱ ብመጠን ኣልቦ ፍቕሪ ዝተቐበሎ ክርስቶስ ተወሃሂድና ክንገብሮ ምስእንኽእልን ኢና እንዕወት።

ድሮ’ውን እቲ ካልኣይ ናይ ቫቲካን ኢኩመኒካዊ ቤት ምኽሪ፣ ቤተክርስትያን ኣብ ሰብኣዊ ስቓያት ክትገብሮ ብዛዕባ ዚግብኣ ኣገዳሲ ናይ ክንክን እጃም መጸዋዕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ኣብ ዶግማዊ ቅዋም “ሉመን ጀንቲዩም” ከምእነንብቦ “ክርስቶስ በቡኡ “ንድኻታት ዜና ሰናይ ኬበሥር”……”ነቶም ልቦም ዝተስብረ ድማ ኪዝንን” (ሉቃ 4:18) ከምዝተለእከ ከምኡውን “ንጥፉእ ኪደልን ኬድኅንን” መጸ። ….ብተመሳሳሊ ቤተክርስትያን ኣብ ክቱር ድኽነትን ስቓይን ንዘለዉን ኮነ ንዅሎም እቶም ሰብኣዊ ሕሰም ዓብሊሉዎም ኣስዓንደ ዚጸግቡ ዘለዉ ኣብ ምስሊ ናይቲ ድኻን ብስቓይ ዚላደየን መሥራቲኣ እናጥመተት ብሓቀይና ፍቕሪ ክትሓቝፎም ትርከብ። ንሳ ነዚ ኵሉ እንክትገብር ብዘለዋ ዓቕሚ ድላዮም ኬረኽቡን ነዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ምግልጋል ንክርስቶስ ክተገልግሎ ትርከብ (ቍ. 8)። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለዘመናት (ምእተ ዓመታት) ቤተክህነታዊ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ናይ ጥዕና ክንክን፣ ንሕሙማትን ተሳቐይትን ብተቕዋማዊ ኣገባብ ብዝተነጽፈ ኣገባብ ሰብኣውን መንፈሳውን ተግባራት ኬረድእ ይርከብ። ንኵሎም እቶም ብቐጥታ ብሰበኻታት ኮነ ነቶም ብዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ተቅዋማት ብሕያዋይ ተግባራቶም ህልዋን ጌሮም ብዚግባእ ዚዓመምዎም ዕዮታት ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኪዝከር ግቡእ ኮይኑ እስመዓኒ። እዚ ዝበለጸ ናይ ቀዳሞት ኣበው ውርሻ’ዚ ምስቲ “ከም ልሙድ ኣግልግሎት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኮይኑ ኪቕጽል ዚድለ እንተኾይኑ ፍቕሪ……ብዕሊ ዝተደረጀወ ውደባ የድልዮ (ዓዋዲት መልእኽቲ “ደዩስ ካሪታስ ኤስት” ቍ. 20)። 25 ዓመታት ይገብር፣ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እንኪቐውም፣ ምስቲ ምሕጽንታት ናይ ቤተክርስትያን ዓለምለኻዊ ክንክን ጥዕና ከምዚገጥም’ውን ተጌሩ። ኣነ ብወገነይ ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብዚ ዝሓለፈ ታሪኽ’ዚ ኮነ ባህሊ ብሃንቀውታ ክውስኾ ደልየ ዘለኹ፣ ምስ ሕሙማት ዘላቒ ብዝኾነ ብምስትውዓል ኣብ ጎኖም ክንህሉ፣ ከምኡውን ኣብ ማእከል’ታ ንኽብሪ ናይ ወንጌል ብግቡእ እተመሓላልፍን ሕይወት ወዲሰብ ብኵሉ ወገናቱ ካብ ጽንሰቱ ክሳዕ ተፈጥሮኣዊ መወዳእታኡ ከምዘድሊ ዝያዳ መነጸርታ ከምዘሎ ርዱእ እዩ።

ስለዚ ነዚ ቤት ምኽሪ ኣቦታት ኣብ ናይ መወዳእታን ካልኣይን ናይ ቫቲካን ቤት ምኽሪ ኤኵመኒካዊ ጕባኤ ዘመሓላለፎ መልእኽቲዚ ሎሚውን ናብ ድኻታት: ሕሙማንን ኣብ ስቓይ ዚርከቡን ኪበጽሕ’ዩ ድላየይ። ኣብቲ እዋንቲ እዞም ኣበው እዚኣቶም “ኣቱም ኵሉኹም ክበድ መስቀል በርቲዑኩም ዘሎኹምን እትርህጹ ዘለኹምን……. ኣፍልጦ ዘይረኸብኩም ግን ከኣ ናይ ስቓይ ግዳያት ኮይንኩም ዘለኹምን: ኣጆኹም በርትዑ። ንስኻትኩም እቶም ምሩጻት ኣባላት ናይቲ መንግሥቲ ኣምላኽ: መንግሥቲ ተስፋ: ደስታን ሕይወትን ኢኹም። ንስኻትኩም ናይቲ ዚተሳቐየ ክርስቶስ ኣኅዋት ኢኹም። ትፈልጥዎ እንተሊኹም ምስኡ ሓቢርኩም ንዓለም ተድኅንዋ ዘለኹም ንስኻትኩም ምዃንኩም ተረድኡ (ዶኵመንት 2ይ ቫቲካን: ቫልተር ኤም ኣቦት ኤስ ኣይ)። ነቶም ነፍሲወከፍ መዓልቲ “ኣብ ጎኒ ሕሙማትን ተሳቐይትን” እናገልገሉ ተጸሚዶም ንዚርከቡ ውፉያት ኣገልገልቲ አመስግኖም ኣለኹ። ምእንቲዚ ሓዋርያዊ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ንድሌትታኩምን ትጽቢታትኩምን ካብቲ ዝሓለፈ ንላዕሊ ብዚበልጽ ውጽኢት ብዘለዎ ምላሽ ይሃብኩም (ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ሓዋርያዊ ቅዋም: “ፓስተር ቦኑስ” ኣርቲክል 152)። ኣብዚ ናይ “ዓመተ-ክህነት“ እዋንዚ ሓሳባተይ ብፍላይ ናባኻትም ካህናት አትኵሮ ኣለኹ። ንስኻትኩም “ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማን ዝተጸመድኩም” ንዅሎም እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምልክትን መሳርሕን ናይቲ ዝተሳቐየ ክርስቶስ መሳርሕትን ኢኹም። ዝኸበርኩም ካህናት ንሕሙማን እንክተገልግሉ ዕሽሽ ኣይትበሉ። እቶም ነዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ኣኅዋትን ኣኅትን ኣብ ምግልጋል ኮነ ኣብ ኩሉ መኣዝን ኣግልግሎት ናይ ሓዋርያዊ ክንክን ክቡር ግዜኦም ዜጥፍኡ ብዙሕ ጸጋ ከምዚዓትሩ ኬረጋግጸልኩም እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ኣቱም ኩሉኹም ኣብ ኣገልግሎት ሕሙማን እትርከቡ ውፉያት: እቲ ኵሉ ስቓይኩም ምእንቲ ካህናትና ኣወፍይዎ። እቲ ምእንታይ ኣብ ጸዋዕታኦም እሙናትን ጽኑዓትን መታን ኪኾኑ ኣብቲ ዘገልግልዎ ዓውዲ’ውን መንፈሳዊ ፍሬኡ ሃብታም ኪኸውንን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ረብሓ ቤተክርስትያን ኪውዕል እምሕጸን።

ምስዚ መልእኽቲ’ዚ ኣተሓሒዘ ንኵሎም ሕሙማትን ንተኸናኸንቶምን ክብሎ ዝደሊ እንተሎ ኣብ ግብራዊ ሓለዋ ናይ እግዝእትነ ማርያም (“ሳሉስ ኢንፊርሞሩም”) ኪምዕቆቡ ኪምርኮሱን እናተሓሳሰብኩ ንዅሉኹም ካብ ማዕሙቝ ልበይ ዚነቐለ ሓዋርያዊ ቡራኬይ እልግሰሎም።

ኣባ በነዲክቶስ መበል 16 ር.ሊ,.ጳ. ዘካቶሊካዊት ቤተክርስትያን



ቫቲካን 22 ኅዳር

ክርስቶስ ንጉሥ መዓልቲ








All the contents on this site are copyrighted ©.