2010-02-09 14:49:08

ገምጋም 40 ዓመት ዘተ ናይ ክርስትያን ሓድነት


ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያን ሓድነት ንኽረጋገጽ ዝገብር ናይ ሓባር ዘተ ካብ ዝጀመር እነሆ 40 ዓመት ከምዘቝጸረ እንክንገር፣ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተገብረ ናይ ሓባር ዘተ ዝግምግም RealAudioMP3 ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ቤት ጽሕፈት ከምእተጀመረ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መገልጺ ይሕብር።

እዚ ኣብቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተጀመረ ገምጋሚ ዘተ ኣርባዓ ዓመት ጉባኤ፣ ኣመልኪቶም ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ “ፍረ ጻማ መበል 40 ዓመት ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘተ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ኅያውነት ቤተ ክርስትያን ተቐባልነት ዘለዎን ብሓፈሻኡ ክርስትያን ምእመናን ክርድእዎ ብዝኽእል፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርበዓ ዓመት ዝተገብሩ ናይ ሓባር ዘተ ዘቕረቦም ሰነዳት ከምዘለዉን እዞም ሰነዳት ንምሁራትን ንናይ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ መወከሲ ሰነድ ኮይኑ ክተርፍ ከምዘይብሉን፣ ምእንቲ’ዚ ኅያው ቅባለ ክረክብ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም። ብኻልኣይ ደረጃ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ዝበጽሖም ስምምዓት መሠረት ኣብ መጻኢ ናይ ሓባር ዘተ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ምልላይ ኣገዳሲ መዃኑ ብምእማን፣ ኣብዞም ክልተ ነጥብባት ዓቢ ዘተ ክግበር ኢዩ። እዚ ንምፍጻም ድማ ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ዝተገብሩ ናይ ሓባር ዘተ ብዕምቆት ምድህሳስ ናይ ግድን ኢዩ ምስ በሉ፣ እዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ጉባኤ ገምጋሚ ናይ ኣርብዓ ዓመት ናይ ሓባር ዘተ ብዛዕባ ስነ ቤተ ክርስትያን ኣብ መንጎ ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ፕሮተስታትን ዘሎ ፍልልያት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣቢያተ ክርስትያን ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ዘሎ ርድኢት ዝተፈላለየ ክኸውን ዝድርኽ ኢዩ፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ማለት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስትያን ሓድነት ማለት ብዛዕባ ቅዱሳት ሚስጢራት፣ ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን መሠረት ናይ እምነት ሓድነት ዘስምዕ ኢዩ፣ እዚ ድማ በቢ ደረጃኡ ዝብጻሕ ምዃኑ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትኣምን ኢያ ኢሎም። ብመሠረቱ ኣብ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያና እውን ክርስቶስ ዝዓዪ ምዃኑ እሙን ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ቲዮሎግያውን ስነ ቤተ ርክስያናዊ ኣመለኻኽታ ንሓደነት ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ካብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ባዶ ስነ ቤተ ክርስያናውነት የሎን፣ እንተኾነ ግን ኣንሕና ካቶሊካውያን ይብሉ ምሉእ ምርግጋጽ ሓድነት ማለት ኣብ ዙሪያ መንበረ ጴጥሮስን ተኸታሊኡን ምስኦም ዝሓብሩ ብጹዓን ጳጳሳትን ምሕባር ማለት ኢዩ ኢሎም።

ኵለን ኣቢያተ ክርስያን ናብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክጽንበራ ዘይኮነስ ምስ ሮማዊት ክቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምሉእ ኅብረት ክገብራን፣ እዚ ድማ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ውሳኔ ብርሃነ ኣሕዛብ፣ ፍቕዲ 8 ተመልኪቱ ዘሎ፣ ብቐዳማይ ደረጃ፣ ምሉእ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ኣብ ክቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝረጋገጽ ምዃኑ ይገልጽ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ክርስቶስ ከይተወሰነ ካብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ኣብ ዝቖማ ኣቢያተ ክርስያን ዝዓዪ ምዃኑ ኣብ ዘረድእ ሓሳብ ዝተመርኰዘ ኢዩ፣ እዚ ግን እቲ ምሉእ ሓድነት ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስያን ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ምዃኑ ዝገልጽ ውሳኔ ኣይጻረርን ኢዩ፣ እባ ደኣ ኣዚዩ ኢዩ ዘረጋገጾ ኢሎም።

እቶም ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ዝተበጽሐ ስምምዕም ውጺኢትን ከይዝንጋዕን እዚ ውጽኢት’ዚ ከመይ ጌርካ ኣብ ኣቢያተ ክርስያን ኅያው ምግባርን ኣቲ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስያን ዘሎ ናይ ሓባር ረቛሒ ምቅላሕን እዚ ድማ ንኣብነት ብዙሕ ጊዜ ግምት ዘይወሃቦ ብዛዕባ ስነ ክርስቶስን ስነ መስቀልን፣ ስነ ትንሳኤን ስነ ቅድስቲ ሥላሴን ዘጠቓለለ ምዃኑ ተንቲኖም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ክቡር ዋጋ ዝበሃል የሎን ምእማንን ዘይምእማንን ሓደ ኢዩ ዝብል ባህሊ ኣብ ዝስፋሕፋሓሉ ዘሎ እዋን፣ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ብምትሕብባር ዘቕርበኦ ናይ ሓባር ምስክርነትን እምነትን ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ብተወሳኺ እዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉባኤ ብቐረባ ክምልከቶም ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.