2010-02-09 14:56:35

ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ትማሊ ቅዱስ መጽሓፍ ክቡር ሃብቲ ዓለም ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን RealAudioMP3 ፣ ናይ ፈረንሳ ቃል ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ፣ ሕዝቢ ፈረንሳን ቅዱስ መጽሓፍን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብ ፈረንሳ 37 ካብ ሚእቲ ክፍሊ ሕዝቢ፣ ኣብ ቤቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዘለዎን፣ ካብዚኣቶም ድማ እቶም 3 ካብ ሚእቲ ጥራሕ ከምዘንብብዎ ከምዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣረጋጊጹ።

እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምርኢት ክሳብ ዕለት 12 ለካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ክቕጽል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ 66 ካብ ሚእቲ ክፍሊ ሕዝቢ ፈረንሳ ቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ናይ ባህሊ ኢዩ ቢሉ ዝኣምን ከምዝኾነን እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ እቲ ዩኔስኮ ዘዳለዎ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምርኢት ብዝተፈላለዩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘማእከሉ ብናይ ክቢ ጠረጴዛ ናይ ባህሊ ምይይጥ ዝተሰነየ ከምዝኾነ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.