2010-02-09 14:58:12

ናይ ሕብራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕፃናት


ኣብ 28 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሓት ሕጻናት ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ማኅበራውን ሰብኣውን ረቛሒታት ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ተቓሊዖም ኣብ ጽንኩር ኵነት ከምዝርከቡ ዩኒሰፍ ናይ ሕቡራት RealAudioMP3 መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕፃናት ናይ ሰብኣዊ ተግባር ሰነድ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ናይ ኣፍሪቃ ሕፃናት ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ብምምልካት፣ ብሕልፊ ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነት ሕፃናት፣ ማእከል ዝግበረ ናይ ዩኒሰፍ ሰነድ፣ ከምዘመልክቶ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ዋሕዲ ዝናምን ደርቅን ስእነት ዝተመጣጠነ መግብን ብናይ ሕድ ሕድ ግጭትን ሁከትን ልዕሊ 24 ሚሊዮን ሕፃናት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዘለዉን ከምዘመልከተ ነቲ ሰነድ ዝጠቐሰ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ሕጻናት ተደቀኒ ዘሎ ሽግር ንምድራት ሓደ ሚሊያርድን ክልተ ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ ሰነድ ብምምልካት ንናይ ማእከላውን ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ 263 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ ሰነድ ከምዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕፃናት ኣብ ሃይቲ ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ንዝተጠቕዑ ሕጻናት ኣብ ምንባይ መደብ ተጸሚዱ እውን እንተሃለወ ንናይ መላእ ዓለም ሕጻናት ቆላሕታ ክገበር ናይዚ ማኅበር ክፍሊ መካየዲ ረድኤት ምኽትል ኣመሓዳሪ ሂልደ ጆንሶን እቲ ሰነድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ከምዘተሓሳሰቡ ሚስና ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.