Home Archivio
2010-02-06 16:34:26
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትዕይንተ ሥነ ጥበባ ተዓዚቦም፡
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ አብ ማእከል ከተማ ሮማ አብ አዳራሽ ቨነጺያ ዝርከብ ሥነ ጥበብ ተዓዚቦም ። እዚ አብ አዳራሽ ቨነጺያ ንህዝቢ ተሰናድዩ ዘሎ ሥነ ጥበባዊ ትዕይንት ሥልጣንን ምሕረትን ዝተሰየመ ትዕይንት ተባሂሉ ዝተሰየመ ጥዕይንት ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ነቲ አብ አዳራሽ ቨነጺያ ዘሎ ጥዕይንተ ሥነ ጥበብ ነርብዓ ደቃይቅ እናተዘዋወሩ ከም ዝበጽሑ ክፍለጥ ከሎ ፡ አብ መንግስቲ ኢጣልያ ቤት መኽሪ ሚኒስተራት ዋና ጽሐፊ ብጂያኒ ለታ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ መንግስቲ ኢጣልያ አምባስደር ብአንቶንዮ ዛናርዲ ላንዲ ናይቲ ጥዕይንተ ሥነ ጥበብ አሰናዳዊን አቅራብን ብዶን አለስዮ ጀረቲ ተሰንዮም ነቲ ሥነ ጥበብ ከም ዝተዓዘቡ ተፈሊጡ አሎ ።
እዚ ካብ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ አብ አዳራሽ ቨነጺያ ብህዝቢ ዝርኤ ዘሎ ትዕይንተ ሥነ ጥበብ ክሳዕ ትማሊ ብስሳ ሺሕ ህዝቢ ከም ዝተረእየ ተነጊሩ።
እዚ ሥነ ጥበብ”ዚ ካብ ነዊሕ ክፍለ ዘመናት ጀሚሩ ክርስትና አብ ታሪኽ ኤውሮጳ ዘሕደሮ ጽልዋ ዘረድእ ሥነ ጥበብ ከም ዝኾነ ነቲ ሥነ ጥበብ ዝተመልከቱን ዝተመራመሩን ምሁራን ሐበሬታ ሂቦም ።
ካብቶም ነዚ ሥነ ጥበብ”ዚ ዘዳለዉን ዝተኸናኸኑን ዶን አለስዮ ጀረቲ ከም ዘመልከትዎ፡
እዚ ሥልጣንን ምሕረትን ዝተሰየመ ትዕይንተሥነ ጥበብ”ዚ መሠረትን ምንጪን ኤውሮጳ ክርስትና ምኻኑ ዘረድእ ኢዩ ።
አብ ልዕሊ”ዚ እዚ ሥነ ጥበብ”ዚ ብመንገዲ ቅድስና ናይ ምዕራብ ዓለም ስልጡን ታሪክ አብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዝነበረ ታሪኽ ቤተክርስትያንን ዘረድእ በቲ ሐደ ወገን ክአ እምነትን ጽባቄን፡ እምነት ጽባቄ ከም ዘድልዮ ዘረድእ ሥነ ጥበብ ከም ዝኾነ ዶን አለስዮ ጀረቲ አረዲኦም።
ዶን አለስዮ ጀረቲ አተሐሒዞም ከም ዘመልክትዎ ፡ እዚ ብስሳ ሺ ሕዝቢ ዝተራእየ ሥልጣንን ምሕረትን ዝተሰየመ ትዕይንተ ሥነ ጥበብ”ዚ ናይ ዕስራ ክፍለ ዘመናት ውርሻ ክርስትና ዘንጸባርቅ በቲ ሐደ ወገን ክአ ጥንቲ አብ መንጎ እምነትን ፖሊቲካዊ ሥልጣንን ዝነበረ ርክብ ዘረድእ ሥነ ጥበብ ኢዩ።
ቅድሚ ዕስራ ክፍለ ዘመናት ዝነበረ ታሪኽ ምስቲ ሕጂ አብ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ ሰብአውን ማኅበራውን ኩነታት ንምንጽጻርን ዘሎ ጋግ ንምርዳእን ዝሕግዝ ሥነ ጥበብ ከም ዝኾነ ክአ ዶን እለስዮ ጀረቲ አመልኪቶም።
All the contents on this site are copyrighted ©.