2010-02-04 13:52:50

ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ኅብረት


ናይ ኤውሮጳ ዝተፈላለልያ ናይ ፕሮተስታትን ኣንግሊካንን ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ፣ 750 ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣቢያተ ክርስትያን RealAudioMP3 ልኡካን ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ኣብ ዘካየዶ ዘሎ መበል ሻምናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይዚ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዣን ኣርኖልድ ደ ክለርሞንት ንናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ኣተኵይሩ ኣብ ሲቢዩ ከተማ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ ሓፈሽዊ ጉባኤ ዘውጽኦ ሓፈሻዊ ሰነድ መሠረት፣ ንናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ቀዳማይ ደረጃ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቦም ብፍላይ ድማ ምስ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ሓድነት ዘተ ዓሚዩቕን ቀጻልን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ስነ ቤተ ክርስትያናውን ቲዮልግያውን ምልክዕ ዘለዎ ፍልልያት ዘይምሕሳብን እቲ ፍልልይ ክጸብብ ዘይምዝታይን ጌጋ ኢዩ፣ ስለዚህ እዚ ኣብ መግኖ ኣባላት ኣቢያተ ክርስትያን ናይዚ ቤት ምኽሪ ዘሎ ፍልልያት ምውጋድ ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስያን ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝድግፍ ኢዩ ኢሎም። እዘን ኣቢያተ ክርስያን እቲ ኣብ ስነ መንፈሳውነትን ቲዮልግያን መሠረት ዘለዎ ንሓድነት ዘተባብዕ ናይ ሓባር ረቛሒ ዓቢ ትኵረት ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዘረባኦም ብምቕጻል፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ብከላ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ስእነት ሰላምን ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ክፍሊ ዓለም ዘሎ ናይ ናብራ ፍልልያትን ጠቒሶም፣ ኣቢያተ ክርስትያን እዚ ኣሉታዊ ዝኾነ ገጽታ ዓለም ክውገድ ክጽዕራን ሓድነተት ከረጋገጻን ይግባእ ኢሎም። ሰብ ብእንጌራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቕዱስ ቃል እግዚኣብሔር እውን ኢዩ ዝነብር እሞ፣ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ እምነትን ካብዚ እምነት ብዝረጋገጽ ተስፋን መሠረት ኣቢያተ ክርስትያን ወንጌል ኣብ ምስፍሕፋሕ ቀዳማይ ጸዋዕተኤን ክነብራ ሓደራ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ንካቶሊክ ቤተ ክርትያን ወኪሎም ዝተሳተፉ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ምኽትል ሊቀ መንበር ናይ ቦርዴውክስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፓውል ሪቻርድን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ዱራተ ዳ ኩንሃ ክምዝኾነ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.