2010-02-04 13:55:14

ናይ ታይዘ መንፈሳዊ ምንቅስቃስ ኣባላት መንእሰያት


ውሽጣዊ ሕይወትን ስብኣዊ ምትሕብባርን ብዝብል እርሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ናይ ታይዘ ዓለም ሓቆፍ መንፈሳዊ ምቅስቃስ ኣባላት መንእሰያት ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ RealAudioMP3 መንፈሳዊ ንግደት የካይዱ ከምዘለዉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ የመልክት።

እዚ ካብ 16 ክሳብ 35 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መንእሰያት ኣባላት መንፈሳዊ ምንቅስቃስ ታይዘ ዝዓደመ መንፈሳዊ ንግደት፣ ናብ ማኒላ ኣብ ምድሪ ዓለም እሙን ንግደት ብዝብል ንኡስ መደብ መሠረት ኣብ ማኒላ ብሸነኽ ደቡብ ክፍሊ ከተማ ናብ ዝርከብ ማኅበር ሳሊዛውያን ዝመሥረቶን ዘመሓድሮን ተቛም ቤት ምህርቲ ዕደ ጥበብ ዶን ቦስኮ ክበጽሑ ምዃኖም ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ይሕብር።

እዚ መደብ ንግደት ብናይ ታይዘ ጠቕላሊ ሓለቓ ኃው ኤሊዮስ፣ ሰላምን ዕርቅን ማኣከል ገይሮም ብዘቕረብዎ ናይ ኣስተንትኖ ሓሳብ ዝተመርሔ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ዘጠቓለለ ከምዝኾነን፣ ኣብዚ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ማኒላ ዝርከቡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ውሉደ ክህነት ገዳምማያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ከምዝሳተፉን ክንገር እንከሎ፣ እዞም መንፈሳውያን ነጋድያን ኣባላት ምንቅስቃስ መንእሰያት ታይዘ ኣብ ማኒላ ኣብ ብዝተፈላልዩ ስድራ ቤታትን ቁምስናታትን ክእንገዱ ምዃኖም ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣረጋገጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.