2010-02-02 13:36:55

ናይጀሪያ


ኣብ ናይጀሪያ እቲ ገዛእ ርእሱ ሜንድ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ማለት ምንቅስቃስ ሓርነት ናይጀሪያ ከባቢ ደልታ ብዝብል ስም ዝጽውዕ ግንባር፣ ኣብ ከባቢ ደልታ እቲ ንናይ ሼል ኩባንያ RealAudioMP3 ንግዚኡ ክዕጾ ዘገደደ ኣብ ልዕሊ ናይ ሸል ናይ ነዳዲ መምጠጢ መሥመር ዝወረደ ሓደጋ በቐጥታ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፣ እዚ ናይ ነጻነት ግንባር ንመንግሥቲ ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ኣይረኸብኩሉን እንክብል፣ እቲ ኣብ መንጐ መንግሥትን እዚ ግንባርን ተበጺሑ ዝነበረ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከኽብሮ ከምዘይኮነ ዕለት 29 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ብዕሊ ከምዘፍለጠ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.