2010-02-02 13:33:00

ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኔሊ ኣብ ሜክሲኮ


ብዛዕባ ሥድራ ቤት ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ ኣንቶነሊ ካብ ዕለት 29 ጥሪ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሜክሲኮ ብዛዕባ ሕይወትን RealAudioMP3 ሥድራ ቤትን ርእሰ ጉዳይ ዝዘተየ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ተሳቲፎም ናብ ቫቲካን ከምእተመልሱ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ሜክሲኮ ሜሪዳ ናይ ዩካታን ርእሰ ሰበኻ ዘዳለዎ ብዛዕባ ሕይወትን ሥድራ ቤትን ዝዘተየ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ፣ ፍቕሪ ሥድራ ቤት ጥዕና ሕይወት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ከምእተኻየደ ተገሊጹ። ሥድራ ቤትን ሕይወትን ንሓደጋ ዘቃልዑ ሽግራት ሓደ ብሓደ ብምድሕሳስ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን፣ ቀጺሉ እውን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸሎት መደባትን ናይ ስእሊ ምርእያት እውን ዝተሰነየ ከምዝነበረ ተረጋገጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኔሊ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዓለማውያን ምእመናን ንሥድራ ቤት ብፍቅሪ ወንጌል ከበስሩን ከተባብዑን ይግባእ ከምዝበሉ፣ ሥድራ ቤት ኣብ ምንባብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ምይይጥን ኣብ ሕንጸት ዝውለዱ ቆልዑን ክተግህ ከምዘለዎ ኣውን ሓቢሮም፣ ሥድራ ቤት ኣብ ቁምስናታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃሳትን ማኅበራትን ከከም ጸዋዕታኡ ተጸንቢሩ፣ ትጉህ ተሳትፎ ክህልዎን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዋሳእን ምስ ቃል ኣምላኽ ዝተሰማምዔ ዓይነት ሕይወት ክመርሕን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ትምህርቲ ብንቅሓት ኣብ ግብሪ ከውዕልን ሓደራ ቢሎም፣ ሥድራ ቤት ወትሩ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ከባብን ልኡከ ወንጌል ኢያ ምስ በሉ፣ ቀጺሎም መንግሥታትን ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካን ንስድራ ቤት ዓቢ ግምት ክህቡ ኣተሓሳሲቦምን ጽንሲ ምንጻል ጸረ ሕይወት ከምዝኾነን ኣብተን ጽንሲ ምንጻል ፍቑድ ዝኾነለን ሃገራት፣ ሥድራ ቤት ናይ ኅሊና ተቓውሞ ከስምዕ እውን ኣተሓሳሲቦም። ናይ ሓንቲ ሃገርን ናይ ዓለምን ናይ መጻኢ ዕድል ብሥድራ ቤት ኣቢሉ ዝሓልፍ ጭቡጥ ኩነት ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.