2010-02-02 13:36:08

ሕዝቢ ዓለም ናብ ምእራግ ገጹ የድህብ


ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ኤኮኖምን ሕዝባውን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ዕድመ ሕዝቢ ዓለም 2009 ዓ.ም.ፈ. ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ፣ RealAudioMP3 ሕዝቢ ዓለም ናብ ምእራግ ገጹ ዘድሃበ ምዃኑ ብምሕባር፣ እዚ ድማ ንብዙሕ ሽግር የቃልዕ ኣሎ ኣንክብል ከምዘመልከተ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ 2045 ዓ.ም.ፈ. ልዕሊ ስልሳ ዓመት ዝኾነ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ካብቶም ካብ ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ዝዕኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝብዝሔ ከምዝኸውን እቲ ጸብጻብ ከምዘመልከተ ዜኒት ሓቢሩ። ኣብተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃብታማት ዝበሃላ ሃገራት ዝነበር ሕዝቢ ብሓድሽ ወለዶ ናይ ምትካእ ድላይ ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ፣ ብዝሒ ኣረጋውያን ኣዚዩ ክብ ከምዝብልን፣ ማእከላይ ዕድመ ሕዝቢ ዓለም 28 ክኸውን እንከሎ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዘመን እቲ ማእከላይ ዕድመ ናብ 38 ክብ ክብል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ከምዘመልከተ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።

ናይ ዘርኢ ምትካእ ወይ ድማ ናይ ምውላድ መጠን ኣዚዩ እናደኸመ ይኸይድ ብምህላዉን፣ እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ኤኮኖሚ ዓለምን ብሔራዊ ሓቆፍን ኣሉታዊ ጽላዋ ከምዘለዎን፣ ንናይ ምውፋርን ዕዳጋን ዕዮን ፖለቲካ ኣዚዩ ዝሃስን፣ ንናይ ቁጠባ ኤኮኖሚ እውን ዝጎድእ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ዝጠቀሰ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። ኣብዚ እዋን እዚ ሚዛን መጠን ሠራሕተይናን ጡረተይናን ትሸዓተ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ. እዚ ኣብ መንጎ ሠራሕተይናን ጡረተይናን ዘሎ ናይ ብዝሒ ስኒት ክዛባዕ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ንናይ ጡረተይና ደሞዝ ተባሂሉ ካብ ዶመዝ ዝቑረጽ ሃብቲ ገንዘብ እዚዩ ትሑት ክገብሮ ከምዝኾነን፣ ናይ ጡረታ ኣበል ንምኽፋል ኣዚዩ እናሸገረ ክኸይድ ዝድርኽ ኩነት እውን እንክኸውን፣ እቲ ኣብ መንጎ ሠራሕተይናን ጡረተይናን ዘሎ ናይ መጠን ስኒት ኣርባዕተ ኣብ ልዕሊ ሓደ ከምዝኸውን እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጸብጻብ ከምዘመልከተ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋገጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.