2010-02-01 12:49:45

ዕዮ ስደተይናታትን ብድሆታት ህንጸትን


ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 27 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዛዕባ ዕዮ ስደተይናታትን ንመደብ ህንጸት ዝጓንፎ ብድሆታት RealAudioMP3 ርእሰ ጉዳይ ገይሩ እውን ዘተ ከምዘካይደ፣ ናይ’ዚ ርእሰ ጉዳይ ጠቕላሊ መግለጺ ገምጋም ዝሃቡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ክሮቻታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ዓለምና እቲ ኣልቦ ክቡር ዋጋን ምእማንን ዘይምእማንን ፍልልይ የብሉን ዝብልን ኅላዌ እግዚኣብሔር ዘገድስ ሕቶ ኣይኮነን ቢሉ ዝኣምን ዝስፋሕፋሕ ዘሎ ኣሉታዊ ባህሊ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘስዕቦ ብስጭትን ባዶነትን ሰብኣውነት ሰብ ዘጥፍእን ምዃኑን እዚ ኵነት’ዚ ድማ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ቀረባና ክኸውን ዘተባብዕን እቲ ጥዑም ዜና ወንጌል ኣብ ኵሉ ንኽበጽሕ ዝድርኽ ባይታ ምዃኑ ገሊጾም። ነቲ ኣሉታዊ ባህሊ ንምብዳህ ብእምነትን ብስነ ፍልጠትን ዝተሓንጸጸ ቀጻሊ ዝኾነ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህሉ ከምዘለዎ ሓቢሮም፣ ኣቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘካየዶ ኣኼባ ነዚ ከምዘመልከትን ኣረዲኦም፣ ክርስትያናዊ መለለዪ መንነት ከይበርስ እምነት ክርስትና ብስነ ፍልጠት ደረጃ እውን ክመሓላለፍ ከምዘለዎ እውን ኣመልኪቶም እቲ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነዚ ዝኽተል ኢዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን ኢጣሊያ ኣብ እትሕንጽጾ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ስደተይናታት ብፍላይ ኣብ ግምት ዘእቱ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ኢጣሊያ መለለዪ መንነት ብምንጽብራቕ ነቶም ስደተይናታት ብዛዕባ ኢጣሊያ ከረድኣ ከምዘለዎን ድማ ገሊጾም፣ ናይ መንነት መለለዪኡ ዝፈልጥ ጥራሕ ኢዩ ገዛእ ርእሱ ምስ ካልእ ከላልልን ንኻልእ ከእንግድን ክቕበልን ዝኽእል ኢሎም፣ እቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነዚ ዘመልክትን ዝትግብርን ምዃኑ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.