2010-02-01 13:22:19

ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ኅብረት


ኅብረት ኤውሮጳ ካብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ክሳብ 2020 ዓ.ም.ፈ. ንዝኽተሎ መደብ ኤኮኖሚ ዝመርሕ ዝሕንጽጾ ዘሎ መሥርሕ መደብ ኤኮኖሚ መሠረታውያን መሰላትን ክቡር ዋጋ ሥነ ምግባርን RealAudioMP3 ዝለዓለ ግምት ዝኅብ ክኸውን ከምዘለዎ ትማሊ ንጐሆ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ኅብረት ንናይ ኤውሮጳ ኅብረት ድርገታት ሊቀ መንበር ኾሴ ማኑኤል ባሮሶ ኣብ ዘተሓላለፎ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ 120 ናይ ኤውሮጳ ዝተፈላለያ ናይ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታትን ኣንግሊካንን ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ህብረት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይዚ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ኅብረት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ኤውሮጳ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፣ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ ብሓባር ክብድህኦ ዝግብኤን ኵነት ብሓባር ንምድህሳስ ከምእተመያየጣ ክንገር እንከሎ፣ በዚ መሠረት’ዚ ንናይ ኤውሮጳ ኅብረት ሊቀ መንበር ኣብ ዘተሓላለፈኦ ናይ ሓባር መልእክቲ እቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ጥራሕ ተባሂሉ ዝንገር ዘሎ ኵነት፣ ቅልውላው ቁጠባ ጥራሕ ዘይኮነስ ቅልውላው ክቡር ዋጋ ኅብረተሰብ እውን ምዃኑ ብምምልካት ካብዚ ጭቡጥ ሓቂ ዝተመርኰዘ መፍትሒ ክድለ ከምዘለዎ፣ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ክፍታሕ እንተድኣ ዝድለ ኮይኑ እቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያናት መልእኽቲ ከምዝሕብሮ፣ ሥነ ምግባራዊ ጠባያትን ግቡእ ግበረ ገባዊ ኃላፍነትን ኣብ ግምት ዘእቱ ቅድውን ርትዓውን ዕዳጋ ክረጋገጽ ዘተባብዕ መደብ ኤኮኖሚ ክሕንጸጽ ከምዘለዎ የተሓሳስብ። ዘይርትዓዊ መደብ ኤኮኖሚ መሠረት ምስፍሕፋሕ ድኽንነ ምዃኑ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ኅብረት መልእኽቲ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.