2010-02-01 12:46:43

ናይ ተስፋ አገልገልትን ናይ ዝተነብረ ሓቂ መሰኻኽርን


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ትማሊ ንጐሆ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ናይ ቫትካን ቤት ማኅተም ሠራሕተይናታትን RealAudioMP3 ዝተሳተፍሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ዶን ቦስኮ ናይ ተስፋ ኣገልገልትን ብፍቕሪ ናይ እተነብረ ሓቂ መሰኻኽር ኢኻትኩም እንክብል ዝሃብዎ ለበዋ ዘኪሮም፣ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ሥልጣናዊ ትምህርቲ ምሕታም ምስፍሕፋሕን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰብ ክበጽሕን ክሕተም ዝዓዪ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢ ጥቅሚ ዘለዎም መሣርሕታት ኢያቶም ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መግለጺ የረጋግጽ።

ናይ ቴሌቪዥንን ናይ ስኔማ ባህልን ብሓፈሻኡ መራኸቢ ብዙኃንን በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እናተስፋሕፍሔ ብዘሎ ኣህላኺ ባህሊ ኣብ ዝተዓበለሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙኃን ማዕከናት ካብዚ ዓይነት ፈተና ብቃልን ብተግባርን ናጻ ኮይነን፣ ናይ ሓቂ መሣራሒ ኮይነ ኅብረተሰብ ኣብ ምህንጻ ክተግሃ ኣተሓሳሲቦም፣ ነቲ ላንጋ ላንጋን ሓዲግ ምዃን ዘስዕቦ ምዝሕታልን ጸልማትን በቲ ኵላውነት ለበስ ባህርይ ዘለዎ ክርስትያናዊ ክብሩ ዋጋ ብምስፋሕፍሕ ናይ ተስፋ ምልክት ኮይኑ ብብርሃን ክትካእ ዝዓዪ መሥራሒ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.