2010-02-01 12:48:21

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ወርሒ ለካቲት ዕለት 8ን 9ን ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዝጠለቦ ብዛዕባ ንተጓዕዝቲ ባሕርን ንባህረይናታትን RealAudioMP3 ብሃብቲ ባሕሪ ንዝመሓደሩን ዘማእከል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዘተኮረ ርእሰ ጉዳይ ዝዝቲ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊያ ካብ ዝሃብዎ መገልጺ ተረጋጊጹ።

እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ተጓዓዝቲ ባሕርን ባህረይናታትን ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘበገሰሉ መበል 90 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝካየድ ጉባኤ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብተወሳኺ ድማ 2010 ዓ.ም.ፈ. ዓመት ባሕርን ሃብቲ ባሕርን ኮይኑ ክሕሰብ ብምውሳኑ ምኽንያት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተጠልበ ሓፈሻዊ ኣኼባ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 10 ለካቲት 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ብሃብቲ ባሕሪ ንዝመሓደሩ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ኮሚቴ ሓዋርያዊ ሓልዮ፣ ብናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ዝተመርሔ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.