2010-02-01 13:02:09

ሰርቢያ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኢሪነይ


ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 20 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ናይ ሰርቢያ ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ብፁዕ ወቅዱስ ኢረነይ ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጥብቅን ዝተኃደሰን RealAudioMP3 ዘተ ክገብሩ ድላይ ከምዘለዎም ብምግላጽ ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሰርቢያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ብወግዒ ከምዝዓደሙ ተገሊጹ።

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኢሪነይ ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ. ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. 313 ዓ.ም.ፈ. ንጉሥ ፍላቪዮ ቫለሪዮ ኮስታንቲኖ ብንጉሥ ቆስጣንጢኖስ ዓቢይ ስም ዝፍለጥ ቅዱስ ኣብ ሚላኖ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝኣወጅሉ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ምኽንያት ኣብታ እዞም ንጉሥ ዝተወለዱላ ኣብ ምብራቕ ሰርቢያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒስ ሃይማኖታዊ ዘተ ዘማእከል ርክብ ከካይዱ ድላይ ከምዘለዎም ሓቦሮም፣ ኣብዚ መደብ ሃይማኖታዊ ዘተ፣ ቅዱስ ኣቦና ክሳተፉን በዚ ምኽንያት እውን ኣብ ሰርቢያ ሓዋርያዊ ምጻሕ ክገብሩ ከምዝዓደሙ ኣብ ቤልግራድ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ከምዘመልከቱ ናይ ሰርቢያ ብሊክ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ቤት ማሕተም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረድዮን መደብር ቴሌቪዥን ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ነዚ መግለጺ መሠረት ብምግባር ናይ ሰርቢያ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ንናይ ኣቢያተ ክርስትያን ዘተ ዘለዎም ዓቢይ ድላይ ንከይዲ ዘተ ዘተባብዕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰርቢያ ቤተ ክርስትያን ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኒሳ ንኸተብዕሎ ትቀራረብሉ ዘላ ዓቢይ በዓል ብጽቡቕ ድላይ ክምእትከታተሎ ገሊጾም ኣለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.