2010-02-01 13:11:19

ምስፍሕፋሕ ስእነት ሥራሕ ኣብ ኤውሮጳ


ኣብ ኤውሮጳ ብስእነት ሥራሕ ዝጥቃዕ ብዝሒ ዜጋ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን በዚ ኵነት’ዚ 23 ሚሊዮን ሕዝቢ ከምእተጠቕዔ ኤውሮስታት እተሰምየ ናይ ኤውሮጳ ኩነታት ብኣኃዝ RealAudioMP3 ዝገልጽ ማኅበር ዝዘርግሖ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ የመልክት።

ብስእነት ሥራሕ ኣዚያ ዝተጠቕዔት ሃገር ስፐይን ክትከውን እንከላ፣ እቲ ኤውሮስታት ብዛዕባ ኢጣሊያ ዝሃብዎ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ኢጣሊያ ካብ 2004 ዓ.ም.ፈ ንነጀው ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስፍሕፋሕ ስእነት ሥራሕ ከምዘሎ ይሕብር። ኣብ ኢጣሊያው እውን ብስእነት ሥራሕ ዝተጠቕዕ ብዝሒ ዜጋ ክብ ኣናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብዛዕባ እዚ ኤውሮስታት ዝሃብዎ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማኅበራውን ሥራሕን ሕቶታት ዝምልከት ድርገት ሊቀ መንበር ናይ ኢቨሪያ ሊቅ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ኣሪጎ ሚሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብዛዕባ እቲ ኤውሮስታት ዝሃብዎ ጸብጻብ ክንሓስብ እንከለና ብቐጥታ ኣተኵሮና ናብ ስድራ ቤት ኢዩ ዘቕንዕ፣ ብተወሳኺ ድማ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብዙሓት ነኣሽቱን ዓበይትን ኢንዱስትሪ ንሕደጋ ዘቃልዔ ብምዃኑ፣ እዚ ነቲ ሠራሕተይና ብቐጥታ ዝትንክፍ ኮይኑ እዚ እውን ብተራኡ ማእለያ ንዘይብለን ስድራ ቤታት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ኢዩ፣ ስእነት ሥራሕ ይስፍሕፋሕ ኣሎ፣ ካብዚ ሓደጋ’ዚ ንምውጻእ ግን እንታይ ክብገር ኣለዎ ዝብል ሕቶ ናይ ፖለቲካን ኤኮኖምን ዋና ርእሰ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ዅሉ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ኤኮኖምን ማኅበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው፣ እቲ ኤውሮጳ ብሓፈሻኡ ዓለምና ዝኽተሎ ዘሎ መደብ ምዕባለን፣ እቶም ናይ ኤኮኖምን ፖለቲካን ኣርኣያ ተባሂሉ ብኵላውነት መልክዕ ዝንገረሎም መምዘንታት ኣብ ሕቶ ዘእቱው ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 212 ሚሊዮን ሕዝቢ ብስእነት ሥራሕ ተጠቒዑ ኣሎ ምስ በሉ፣ እታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ከምቲ ብዙሓት ተፈላጥነት ዘለዎም ሊቃውንትን ምሁራትን ዝብልዎ፣ ነቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ዝተፈላለዩ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሽግራት ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ እተመልክት ምዃና ዝንገረላ ኢያ ምስ በሉ፣ ምእንቲ’ዚ ናይዛ ዓዋዲት መጽሓፍ መልእኽቲ ምስትውዓል የድሊ ቢሎም፣ ኤኮኖምን ፖለቲካን ማኅበራዊ ጉዳይ ዘበለ ኵሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ምግባር ክህልዎን ሰብ ዘማእከል ክኸውን ኣለዎ ከምዚ እንተዘይኮነ ግን እቲ ኣብ ዓለምና እንርእዮ ሽግር ክፍታሕ ማለት ዘበት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.