2010-01-28 13:39:28

ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓቀይና ታሪኽ ንምርዳእ ዘብቅዕ ሓድሽ ታሪኽ መንፈሳውን ሰብኣውን ገድሊ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቤተ ክርስትያን ቅድስና ንኽትእውጀሎም ዝጽዕሩን መጽናዕቲ ዝገብሩን RealAudioMP3 ነዚ መጽናዕቲ’ዚ ዝመርሑን ብፁዕ ኣቡነ ስላዎሚር ኦደር ምስ ጋዘጠይና ሳቨሪዮ ጋኤታ ብሓባር ሓድሽ መጽሓፍ ንንባብ ከምዘብቅዑ ተሓቢሩ።

እዛ “ስለምታይ ቅዱስ ኢዮም” ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ሪዞሊ ዝተሓትመት መጽሓፍ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ሳራይቫ ማርቲንስ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ንንባብ ዝቐረበት መጽሓፍ፣ ታሪኽ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳውነቶምን ሰብኣውነቶምን እተነጽር ካብ 114 ሰባት ዝተውሃቡ ቃል ምስክርነት ዘጠቓለለት ከምዝኾነት እንክንገር፣ እታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝቐረበትሉ ዕለት ብፁዕ ስላዎሚር ኦደር ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ምስሊ እግዚኣብሔር” ኢዮም ምስ በሉ፣ ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቦም ዘለዉ ምስክርነት፣ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ ዘይፍለጡ መፈሳውን ሰብኣውን ገድልታትን ኣብ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስትያንን ዝነበሮም ዓሚዩቕ ፍቕርን ተኣማንነትን ዘረድኡና ኢዮም ኢሎም።

ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተቓጸሉ፣ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሚዩቕ መንፈሳዊ ዕርክነት ዘረጋገጹ፣ ገና ካብ ቁልዕነቶም ኣትሒዞም ብሰብኣውነት ዝተመልኡን ሰብኣዊ ሃብቶም ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ምዃን ዝቖመ ኢዩ። እዛ መጽሓፍ ድማ ነዚ ብዝርዝር ተረድኣና፣ ኣብ ግዜ ቀብሮም ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ዓለም፣ ብቕልጡፍ ቅዱስ! እናበሉ ከምዝጨርሑን ቤተ ክርስትያን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድስና ክትእውጀሎም ዝሓትት ድላይ ሕዝቢ ብሕዝቢ ዓለም ክሳብ ክንደይ ፍቑር ምዃኖም ዘረጋግጽ ኢዩ እንክብሉ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ሳራይቫ ማራቲንስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ።

ኣብታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳሎስ ዳግማዊ ኣብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታልነት ሓላፍነቶም ክዕንቅፍ ዝኽእል መድኃኒት ገና ብዘይተረኸበሉ ሕማም እንተተሓዙ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ብፍቓዶም ንኽወርዱ ዝላበው ቃለ ኑዛዜ ቀሪቦም ከምዝነበሩን፣ ኣብ 1981 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ እቲ ዝወረዶም ናይ መቕተልቲ ሓደጋ ብቛንቛ ፖሊሽ ዝጸሓፍዋ ነቲ ናይ ቅትለት ፈተነ ተሓታቲ ቱርካዊ ኣሊ ኣግካ ምሕረት ዝሃብሉ ቃል ዝሰፈረላ መልእኽቲ እውን ከምዝሓደጉን ገና ናይ መቕተልቲ ሓደጋ ወሪድዎም ናብ ቤት ሕክምና እናተወስዱ እንከለዉ፣ ነቲ ናይ ቅትለት ፈተነ ዝፈጸመ ምሕረት ከምዝሃቡ ዝምስክሩን፣ ኣብ ኢጣሊያ እቶም ብብሪጋተ ሮሰ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣሸበርቲ ክጨውዮም መደብ ከምዝነበረ ናይ ኢጣሊያ ናይ ስለላ ኃይሊ ንናይ ቫቲካን ዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ፈንዮም ከምዝነበሩን፣ ወትሩ ዕለት ዓርቢ ፍኖተ መስቀል ይፍጽሙን ገዛእ ርእሶም ብግብሪ ኣብ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ተኻፋሊ ይገብሩ ከምዝነበሩ ዝገልጹ ምስክርነት ዝተነበረላ መጽሓፍ ኢያ እንክብሉ እታ መጽሓፍ ንንባብ ኣብ ዝቐረበትሉ መድረኽ ዘረባ ዘስምዑ ናይታ መጽሓፍ ተሓባባሪ ደራሲ ጋዘጠይና ሳቨሪዮ ጋየታ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.