2010-01-28 13:40:49

መዓልቲ ዝኽሪ ሕልቂት ኣይሁድ


ትማሊ ኣብ መላእ ዓለም መዓልቲ ዝኽሪ ሕልቂት ኣይሁድ ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ። ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣይሁዳውያን ብናዚስትን ፋሽስትን ጸረ ዓሌት ውሳኔ ሕልቂትን ስደትን ከምዝወረዶም ክዝከር እንከሎ፣ እዚ ዓይነት ጨካንን RealAudioMP3 ኣረመን ጸረ ሰብኣዊ ውሳኔ ዳግም ከይክሰት ዝተቓላሓላ ዕለት ከምዝነበረት ተገሊጹ።

እቲ ናይ ናዚን ፋሽስትን ኣረመን ውሳኔ ብዘይ ሓደ ገበን ብሚሊዮናት ዝቑጸረ ሕጻናት ቆላዑን መንእሰያትን ኣንስትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ኣብ ኣውሽዊዝ ቢርከናው ዳጒይኑ ብዘስካሕክሕን ክትግምቶ ብዘይ ይከኣል ናይ ጭካኔ ተግባር ሕልቂት ከምዘስዓበን ኣብ ታሪኽ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። በዛ ዕለት ዝኽሪ ሕልቂት ኣይሁድ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እዛ ዕለት ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ኣክንዲ ጭካኔን ግፍዕን ሰብኣውነት ክዕወት እተተሓሳስብ ዕለት ኢያ ኢሎም። ካብቲ ናይ ናዚን ፋሽስትን ናይ ጭካኔ ተግባር ዝተረፉ ብዙሓት ነታ ናይ ሕልቂት ዕለት ናይ ቀረባ መሰኻኽር ዝኾኑ ኣብ ታሪኽ ዓለምን ንናይ መጻኢ ሕይወትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ባን ኪ ሙን ጠቒሶም፣ ምእንቲ’ዚ ታሪኽ ናይቶም ዝሃለቑን ናይቶም ዝተረፉን ክዕቀብ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንገርን ክተሓላለፍን ኣለዎ። እዚ ድማ እቶም ካብቲ ናይ ሞት ሕልቂት ዝደሓኑ ከም ማንም ፍጡር ሰብ ዘለኣለም ዝነብሩ ስለ ዘይኮኑ እቲ ታሪኽ ሕልቂት ኣይሁድን ደሚቑ ክጽሓፍን እታ ዕለት ሕልቂት በቢዓመቱ ክትዝከርን ብጥልቂ መጽናዕቲ ኣብ ታሪኽ ሠፊሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክተሓላለፍ ኣለዎ ምስ በሉ እዚ ተግባር እዚ ድማ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መሠረት ዘለዎ ተገባር ምጽናት ዘርኢ ሰብ ዳግም ከይክሰት ዘተባብዕ መደብ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.