2010-01-26 14:17:42

ዒራቕ፣ ጾመ ነነዌ ምእንቲ ዕርቅን ሰላምን


ኣብ ዒራቕ ከተማ ባግዳድ ናይ ከለዳዊት ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሓባባሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽሌሞን ዋርዱኒ፣ ካብ ትማሊ ዝተጀመረን ክሳብ ጽባሕ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፍጸም ጾመ ነነዌ ንዕርቅን ሰላምን RealAudioMP3 ኣመቱ ክፍጸም ምዃኑ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ከምቲ ነብይ ዮናስ ነቲ ጾም መሪሑ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስን ኣብ እግዚኣብሔር ክኣምንን ከምዝሓገዘን ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ዘኪሮም፣ እዚ ጾመ ነነዌ ድማ ህዝቢ ዒራቕ ናብ ኣምላኹ ክምለስን ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ናይ ሰላም መሣርሒ እምበር ፈላላይን ጸረ ሰላምን ዕንቅፋት ምዕባለን ጸረ ምድግጋፍን ከምዘይኮነ ክዝክርን ክርዳእን ዘኽእሎ መንፈስ ኣብ ልዕሉኡ ክወርድ ኣሚቱ ክፍጸም ኢዩ ክምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጾምን ጸሎትን ዝፍጸመሉ እዋን ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ጥቅምቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምሉእ ምቅናዕ ክህልዎ ኣብ ማኣከላይ ምብራቕ ዝርከብ ማኅበር ክርስትያን ድምጹ ክስማዕን ሓድነቱ ክበርትዕ ነዚ ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝኸውን ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.