2010-01-26 14:20:31

ምያንማር፦ ኣውንግ ሳን ሱ


ናይ ምያንማር ወተሃደራዊ መንግሥቲ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. እተን ናይቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ወተሃደራዊ መንግሥቲ ዝቃወም ናይ ፖለቲካ ሰልፊ መራሒት ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናጻ ክወጻ ምዃነን RealAudioMP3 ከምዝገለጹ እንክፍለጥ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ዝረጋገጽ ውሳኔ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. መግለጺ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣምነስት ኢንተርንሽናል ናይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳይ ዝሓሊ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ወኪል ሪካርዶ ኑርይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናጻ ክወጻ ኢየን ዝብል ሓበሬታ እወታዊ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ምያንማር ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ምስተዛዘመ ዝትግበር ብምዃኑ ኮነ ተባሂሉ ኣብቲ ዝካየድ መረጻ ንኸይሳተፋ ዝተሓስበ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ መረጻ ንገዛእ ርእሱ ቅኑዕን ደሞክራሲውያዊ ስርዓት ዝኽተል ምዃኑ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ተዓዘብቲ ብቐረባ ክከታተልዎ ክፍቀድን ቅድሚ እቲ መረጻ ዝገበር ናይ ምረጹኒ ፖሊቲካዊ መደባት ጎስጓስ ናጻን ምፍርራሕ ዘይብሉ ምዃኑ ምርኣይ የድሊ። ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግሥቲ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ከየመሓላልፍ ካብተን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቀወምቲ ኣባላት ዝኾነነት ሃገር ቻይና ዕንቅፋት ከምዝኾነትን እዚ ድማ ቻይና ምስቲ ወተሃደራዊ መንግሥቲ ብርቱዕ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ ብዲፕሎማሲያዊ መሥርሕ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ኣለዎ ኢሎም፣ ናይ ፐኪንግ መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ምያንማር ዘለዎ ኣመለኻኽታ ኽቕይር ዲፕሎማሲያዊ ጎስጓስ ክብርትዕ ኣለዉ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.