2010-01-25 10:25:55

፪ ዘአስተምህሮ ዘምኲራብ 2002 ዓ.ም.


መዝሙር፡ አምላክ ፍጹም በህላዌሁ. . . . . ።ንባባት፡ ኤፌሶን 1፡3~12፥ ዘፍጥረት 3፡9~15፥ ግ.ሓ 1፡12~15 ሉቃ 1፡26~28

ንአምላኽ ኩሉ ይክአሎ ኢዩ ዝስአኖ ነገር የልቦን ንሱ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረ እዩ። ነቶም ዘፍቅርዎ ዘሰናደዎ አኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ናብኡ ናብ እምላኽ ጽድቂ ቅረቡ ንሱ ማሕደር ንጹሓት እዩ። እቶም ጸኒዖም ብሃይማኖት ዝተጓዕዙ አኽሊል ምስክር ክቕበሉ እዮም። እናበለ መዝሙር ናይ ሎሚ ምስ አምላኽ ክህልወና ዝግብኦ ርክብ ይገልጸልና። ሰብ አብዚ ዓለም ኩሉ ግዜ ዝተፈላለየ ፈተና፥ ዕንቅፋት ይጓነፎ እዩ ስለዚ ጽንዓት ትዕግስቲ ምጽዋር ከዘውትር ግድን እዩ። ዝጾረ አብ መጨረሽታ ፍረ ትዕግስቱ ይርኢ። ኩልና ክንዕወት ክንድሕን ድለት አምላኽ እዩ ሰንበትና ነዚ አብ ግምት አእቲና ሕይወትና ክንሰርዕ የዘኻኽረና።

ሎሚ ዓመታዊ ዝኽሪ ብዓልና ፅንሰታ ለማርያም ዘኪርና ነብዕል አሎና። አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ቤተክርስትያን ምስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ አተሓሒዛ አብ ናይ ማርያም ድንግልናን አደነትን ጥራሕ ተተኩር ነራ ምኽንያት አብቲ ግጉይ ትምህርቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራሕ ኣተኲራ ነራ። አትኩሮ ቤተክርስትያን እምብአር አብ ምጽራይ እምነታ አብ ክርስቶስ እዩ ነሩ። መጠን ናይ ማርያም ተራ አብ ጉዳይ ድሕነት ክተስተንትነሉ ዝጀመረት ማርያም አብቲ ምስጢረ ትስብእቲ ክርስቶስ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተት ብዕምቆት ክተስተንትን ጀሚራ። ማርያም ምስ ኢየሱስ ጥቡቕ ርክብ ነርዋ ምኽንያቱ ንሳ አዲኡ እያ። ነዚ መሰረት ገራ ናይ ማርያም ቅድስና ክተስተምህር ግድን ኮይኑ። መንእያ ማርያም። ናይ ማርያም ተራ አብ ድሕነትና፥ ማርያምን ቤተክርስትያንን፥ ማርያም መንጎኛና. . . ዝብል ርድኢትን ትምህርትን በብግዚኡ ክዓቢ ጀሚሩ።

አበው ናይ ማርያም ሓጢአት ዘይርከባ ምዃና አስተምሂሮም ግን ብዘይ ሓጢአት አዳም ክምዝተጸንሰት ዝነግር አይንረክብን። ቅዱስ አጎስጢኖስ ንፐላጂዩስ ክምልሰሉ እንከሎ ኩልና ሓጢአት ገርና ናይ ማርያም ግን ፍሉይ እዩ ይብል። ንሳ አደ አምላኽ ክትከውን ድሕሪ ተመሪጻ ብጸጋ ክትመላእ ግድን እዩ አብአ ሓጢአት ክርከብ አይክአልን። አብ ምስራቕ ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ብዘይ ሓጢአት ምጽናሳ እሙን ነሩ አብዚ እዋን ግን ዓቢ ነገር ገሮም አይርእይዎን። ወልእኳ የብዕልዎ እምበር ከም ዓምዲ እምነት አይርእይዎን። አብዚ አብ መንጎ ምስራቕን ምዕራብን ርድኢት ናይ አቦና አዳም ሓጢአት ይፈላለ። ምስራቓውያን አብ ናይ ሰብ ክብሪ አብ ባሕርይ አምላኽ ዘሳትፎ የተኩሩ ማለት አምላኽ ምስ ሰብ ዝገበሮ ሱታፌ ምስታፍ ባሕርዩ የተኵሩ። ሰብ ንአምላኽ ብዘይ ምእዛዙ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ሓድነት አቋሪጽዎ፥ በዚ ኸአ ባሕርዩ ከማልኦ ዝነበሮ ዘይክአል ገሪዎ። ድሕሪ ውድቀት ወላ እኳ ቅዱሳን ሰባት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብጸጋ አምላኽ ጽቡቕ ይገብሩ ይንበሩ ኩሎም ነዚ ጎደሎ ኩነታት ወሪሶም። ብክርስቶስ ጥራሕ እዮም ደቂ ሰብ አብቲ ዘለዓለማዊ ተሓድሶ ክአትዉ ዝኽእሉ። ናይ አዳም ሓጢኣት እምብአር ንምስራቓውያን ኩነታት እዩ፥ ባሕሪ ወዲ ሰብ አብ ባሕሪ አምላኽ ዘየሳተፎ እሞ አብ ጎደሎ ኩነት ዘንብሮ እዩ። ምስራቓዊት ቤተብክርስትያን ናይ ማርያም ብዘይሓጢኣት ምዃና ይቕበልዎ እንተኾነ ብመጠኑ አብቲ ዝወደቐ ባሕርይ ደቂ አዳም ተሳቲፋ ዝብል እምነት አልኦም። ምስራቓውይና አብ ብስራት ገብርኤል የተኩሩ ሽዑ መንፈስ ቅዱስ አሰናድይዋ ይብሉ። መንፈስ ቅዱስ ማሕደር ወልድ ክትከውን ብቕዕቲ ገርዋ ይብሉ። ማርያም ብዘይ ኣጢአት ተወሊዳ ዝብል አይቅበልዎን ማርያም ካብ ማሕጸን አዲኣ ጀሚራ ካብ ኩሉ ሓጢአት ነጻ እያ እንተኾነ እዚ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ እይፈልያን እዩ ይብሉ።

አስተውዒልና እንተ ረአና ብዘይ ሓጢአት ምጽናስ ዝብል ሓሳብ ካብ ምስራቕ እዩ ንምዕራብ መጺኡ። ብዘይ ሓጢአት ዝብል ነዚ ዶግማዊ ትምህርቲ በሪ ከፊቱ። ኩሎም ስዒቦም ድሕሪኦም ዝመጹ ነዚ ትምህሪቲ ብዕሊ ከስተምህሩ ጀሚሮም። ቅዱስ ቶማስ ብዓል እኲኖ ንአብነት ክገልጽ እንከሎ ማርያም አደ ወዲ አምላኽ ምልእተ ጸጋ እያ ሉቃስ 1፡28። ዮሓንስ መጥምቕ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ተቐዲሱ ሉቃ 1፡15 እምብአር ማርያም ቅድሚ ምውላዳ ተቐዲሳ ንዝብል ክንአምን ግድን እዩ። ወልእኳ እግዚአብሔር ጸግኡ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝተወሉድ ብምስጢራት ገሩ ይዓድል እምበር ንሱ ስልጣኑ አብ ምስጢራት ጥራሕ ክኽለል አይክእልን። ቶማስ ማርያም ወላ እኳ ካብ ዝኾነ ሓጢኣት ነጻ ትኹን እምበር ካብቲ ዝወዳቐ ሕይወት ሰብ ነጻ አይኮነትን ብአኡ ተበኪላ እያ ስለዚ ብዘይ ናይ ኢየሱስ መስዋዕቲ ናብ ሰማይ ክትአቱ አይትኽእልን እያ ብክርስቶስ ድሒና እያ። ከም ርድኢት ቶማስ ሓጢአት አዳም አብ ጊዜ መጀመርያ ጽንሲ ነፍሲ ክትፍጠር እንከላ ይመሓላለፍ ማርያም እምብአር ድሕሪ ጽንሲ እያ ተቐዲሳ ይብል። ቅድሚ ጽንሲ እንተ ተቐደሰት ድሕነት አየድልያን እዩ ስለዚ ክርስቶስ ናይ ኩሉ መድሓኒ አይኮነ እምብአር ቅድሚ ጽንሳ አይተቐድሰትን ይብል።

ድሒሮም ዝመጹ ተሎጋውያን ግን ፍልይ ዝበለ ሓሳብ የምጽኡ እግዚአብሔር ኩሉ ይክአሎ እዩ ንሱ ሓጢአት ዘይብሉ ፍጡር ክፈጥር ይከአሎ እዩ። ማርያም ስቓይ ክርስቶስ ወይ ድሕነት ዘድልያ ሓጢኣት ስለ ዘልአ አይኮነን እንታይ ድአ በቲ አብአ ክኸውን ዘልኦ መንጽር እዩ ማለት ወዳ ብእምነታ ጥራሕ አይዓቀባን። ዶን ስኮቱስ ዝብሃል “እቲ ዝበለጸ መንጎኝነት ንሓደ ካብ ሓጢአት ነጻ ክኸውን ምዕቃብ እዩ” ይብል። እዚ እዩ ኢየሱስ ዝገበሮ። እቲ ዝበለጸ መንጎኛ ዝበለጸ ተግባር ናይ መንጎኛ ይገብር ንኻልእ ሰብ ንሱ ዝምንግዎ ኸአ ከምዝክአል ይገብር። ንሱ ልዕሊ ኹሉ አብ ማርያም ፈጺምዎ ፥ እንተኾነ ነዚ ክገብር ንማርያም ካብ ዝኾነ ሓጢአት ነጻ ክገብራ አልኦ። ከምኡ ንሓደ ሰብ ካብ ምስ ወደቕ ምንጽሑ ከይወደቐ እንከሎ ንጹሕ ምግባሩ ዝያዳ ጥቕሚ አልኦ። ንስኮቱስ ማርያም ዝለዓለ ድሕነት ተቐቢላ ካብ ክርስቶስ ዝብል ርድኢት ነርዎ። ናይ እዳም ሓጢአት አብ ጸጋ ዘልኦ አይርከብን፥ ከምቲ ንሓደ ዝጥመቕ፥ ዝግዘር ጸጋ ዝህቦ ከምኡ ንማርያም አምላኽ ካብቲ መጀመርታ ዕንሰታ ካብ ሓጢአት ነጻ ክገብራ ይኽእል እዩ። ንዶን ስኮቱስ ናይ ማርያም ብዘይ ሓጢአት ምጽናስ መግለጺ ክይሃብካ ክትርድኦ ዝክአል እዩ ይብል። ማርያም ካብ አምላኽ ብናይ ባዕላ ሓጢአት ይኹን ብናይ አቦና አዳም ሓጢአት ካብ አምላኽ ተፈልያ አይትፈልጥን።

ዝተፈላለዩ ተሎጋውያን ነዚ ናይ ማርያም ብዘይ ሓጢአት ምጽናስ ተመራሚሮምሉ አብ መጨረሽታ ቤተክርስትያን ንኹሉ ትምህርትን፥ ትውፊትን፥ ኣብ ግምት አእትያ ከምኡ ንኹሎም ዓበይቲ አቡናትን፥ተሎጋውያንን ተወኪሳ ዓምዲ እምነት ክኸወን አዊጃ።

ብታሕሣሥ 8 1854 ፕዮስ ፱ ብዕሊ ዓምዲ እምነት ክኸውን አዊጆም። “ቅድስት ማርያም ካብ መጀመርታ ካልኢት ምጽናሳ ብፍሉይ ግንዖትን ጸጋ ናይ እንኮ አምላኽን፥ ብመንጽር ትሩፋት ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ደቂ ሰብ ካብ ኩሉ ጉድአት ሓጢአት አዳም ነጻ ኮይና። እዚ ብአምላኽ ተገሊጹ ዝለዚ ብጽኑዕን ቀጻልን ክእመን ብኹሎም ምእመናን ይግባእ ኢሎም አዊጆም።

አብ ታሪኽ እምነትና ንማርያም ዝርኢ ብዙሕ ዓምዲ እምነታት ተነጊሩና ኩሉ ንአና አብ አምላኽ ብዝያዳ ክንቀርብ ምእንቲ እዩ። ንሓቀኛ እምነት ሒዝና ክንጉዓዝ ምእንቲ ቤተክርስትያን ብዘልአ ስልጣን እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ እምነት እሞ ተቐበልዎ አብ ዕለታዊ ሕይወትኩም አተግብርዎ ትብለና። እምነት አብ ተግባር ክርኤ እንከሎ ሰላም፥ ፍቕሪ፥ ምሕረት፥ የውርድ። እምነት ግዳማዊ ክኸውን እንከሎ ክፍአት ይበዝሕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መንበሮም ኮይኖም ዘስተምህርዎ ሓቂ አልኦ ምኽንያቱ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብስም ኩላ ቤተክርስትያን ከስተምህሩ እንከለዉ አይስሓሓቱን እዮም። እዚ እዩ መሰረት ናይ እዚ ዶግማዊ ትምህርቲ።

እምላኽ ንማርያም ሓጢአት ክትንክፋ አይደልየን ምኽንያቱ አደ ወዱ ክትከውን ስለ ዝመረጻ። ካብ ኩሉ ክትነጽሕ አልአ ንአምላኽ ክትወልድ። እዚ ናይ ማርያም ንጽሕና ካባና እውን ንጽሕና ሓጢአት ከም ዘድሊ ዘዘኻክር እዩ። ካብ ሓጢአት ንጹሓት ኮና ሕይወትና ብመደብ አምላኽ ክንመርሕ ናይ ኩልና ጸዋዕታ እዩ። ብፍሉይ ንሕና ነዚ ፍሉይ በዓል ማርያም እንዝክር ዘሎና ፍሉይ ነገራት ክንገብሮ ዝግብአና አሎ ንሱ ኸአ፡


ካብ መጀመርታ ሓጢአት ዘይተንከፋ ማርያም ንአና ንሓጣን ካብ ኩሉ ሓጢአትና እንንስሓሉ ጸጋ ካብቲ በጃ ሓጥአን ዝኾነ ወዳ ተማልደልና። በዚ ብሩኽ ዕለት ኩልና ንስሓ ሓጢአትና ረኺብና አብ መንጎና ሰላም ፍቕሪ ምሕረት አዘውቲርና ጉዕዞ ንጽሕና እንሕዝ ይግበረልና። እንዕርጎ ዘሎና መስዋዕቲ ንፍሉይ ካሕሳ አበሳና ይግበሮ። ንጽሕተ ንጹሓን ማርያም ኩሉ ግዜ ጸሎታን ረድኤታን የሰንየና።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ










All the contents on this site are copyrighted ©.