2010-01-25 10:22:10

ዘቃና ዘገሊላ 2002 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ሖረ ኢየሱስ በትፍሥሕት ውስተ ከብካብ . . . . ። ንባባት፡ ቲቶ 2፡11~14፥ 1ዮሓ 5፡1~13፥ ግ.ሓ. 10፡34~39፥ ሉቃስ 3፡15~22

ዘመነ አስተርእዮ፡

ዘመነ አስተርእዮ ዝብሃል ካብ ልደት ክሳብ ዘቅበላ እዩ። አስተርእዮ ብግሪኽ ኤጲፋንያ ይብሃል። ትርጉሙ ኸአ ግልጸት ማለት እዩ። አርባዕተ ግልጸታት ናይ አምላኽ አብ መንጎና አለዉ ማለት፥ 1. ልደት፥ አምላኽ ብመዓልቲ ልደት ከም ሓደ ድኻ ሕፃን ኮይኑ አብ መንጎና ሓዲሩ ሰናይ ዜና ንድኻታት ነቶም ንዑቓትን ሓጥአንን ተገሊጹና። 2. ንሰብአ ሰገል ክግለጽ እንከሎ አምላኽ አብ መንጎና ተረኺቡ ንኹልና ዝኸውን ድሕነት ሂቡና ንሓደ ጋንታ ወይ ህዝቢ ዘይኮነ ንኹልና ደቂ ሰብ ከምዝመጸ ተገሊጹ። 3. አብ መዓልቲ ጥምቀቱ ኢየሱስ ብፍሉይ አብኡ መንፈስ አምላኽ ከምዘሎን ብአኡ ከምዝዓይን ተገሊጹ። 4. አብ ቃና ዘገሊላ ንማይ ናብ ወይኒ ምስ ለወጦ እንታይነቱ ገሊጹ። እዚ አርባዕተ ግልጸታት አብዚ እዋን ብዝያዳ ክነስተንትነሉ እዋኑ እዩ።

አብ መዓልቲ ጥምቀቱ መድሓኒና ክርስቶስ ክብሪ መለኮቱ ገሊጹልና። ስለምንታይ ኢየሱስ ተጠሚቑ? ጥምቀት እንታይ አድለዮ? መብዝሕትኦም እቶም ናብ ዮሓንስ ክጥመቑ ዝመጹ ዝነበሩ ሓጢአተኛታት እዮም ነሮም። ንሕና ክንጥመቕ ከሎና ካብ ግዝአት ሓጢአት ክንድሕን ምእንቲ ብምሕጻብ ማይ አብ ናይ ድሕነት መአዲ ንጽንበር። ከምይ ኢሉ ድአ ኢየሱስ አብዚ ይአቱ። ንሱ ብዘይካ ሓጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። ዮሓንስ አነ ስራኽ አሳእኑ ክፈትሕ ዘይግብአኒ ቀቅድሚኡ እናኸድኩ አዋጂ እየ እናበለ እንከሎ ኢየሱስ ክጥመቕ አብኡ ይመጽእ። እንታይ እዩ እቲ ምስጢሩ። ነዚ ክልተ መልሲ አሎና፡

ሀ. ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ምስኩሎም አብኡ ዝነበሩ ሓጥአን ክጥመቕ እንከሎ ምሳና ዘለዎ ፍጹም ውህደት ይገልጽ። “ ቃል ሥጋ ኾነ አብ መንጎና ኸአ ሓደረ” ይብለና ዮሓንስ ወንጌላዊ። ንሱ ሥጋና ለበሰ ክንብል ከሎና ኩሉ ናታትና ድኸመታት እውን ከምዝለበሰ ይሕብረና። ከማና ስምዒትን ርኢቶን ነርዎ። ንሱ ብዘይ ሓጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። ሓድነቱ ምስ ደቂ ሰባት አብቲ ፈሪሳውያን ዝወቕስዎ ክንርእዮ ንኽእል። ንሱ ምስ ሓጥአንን መጸብሓንን ይበልዕ ከምዝነበረ ነንብብ። ወዲ አምላኽ፥ መስሕ፥ እንከሎ ሓንቲ ግንዖት እኳ አይሓተተን። መብዝሕትኡ ጊዜ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ይርአ ነሩ። እዝስ ወዲ ማርያም አሕዋቱ አብ መንጎና ዘለዉ ዘይኮነንን እናበሉ ከም ኩሉ ሰብ ይርኤ ከምዝነበረ ነንብብ። ደቂ ዓዱ ምስኡ ብዙሕ ዓመታት ተቐሚጦም ግን ከለልይዎ አይከአሉን። ስለዚ ንሱ ብኹሉ ከማና መሲሉ ቀሩቡና።

ለ. አብ ጊዜ ጥምቀት ኢየሱስ ካብቲ ፍጻሜ ንላዕሊ ካልእ ነገር ይፍጸም ነሩ። ሉቃስ ኢየሱስ ክጥመቕ እንከሎ ይጽሊ ከምዝነበረ ይነግረና። ሉቃስ ኢየሱስ አብ ኩሉ ህዝባዊ አገልግሎቱ ከም ዝጽሊ ዝነበረ ይነግር። አብዚ እዋን መንፈስ አምላኽ ብመልክዕ ርግቢት አብ ልዕሊኡ ክዓልብ ተራእየ። ንጹር ድምጺ እግዚአብሔር~አብ “ብአኻ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ተሰምዔ። እዚ ንጹር ተልእኮ ኢየሱስ ዝገልጽ እዩ። ጰራቅሊጦስ ኢየሱስ ክንብሎ ንኽእል። አብኡ ነቲ ክገብሮ ዘልኦ ሥራሕ ክገብር ከምዝለአኾ ይገልጽ። ስለዚ ኢየሱስ አብ ጥምቀቱ ብዕሊ ህዝባዊ ተልእኮኡ ክፍጽም ክሰብኽ፥ንዝሓመሙ ከንጽሕ፥ንነፍሳት ነጻ ከውጽእ ክሳብ አብ ጊዜ ሕማሙን ትንሣኤኡን ከም ዝተልእከ ተገሊጹ።

እንታይ እዩ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ።

እንታይ እዩ እቲ ኢየሱስ ብስብከቱ፥ ብትምህርቱ፥ ብምሕዋይ ዝፍጽሞ ተልእኮ? ናይ እዚ መልሲ አብ ቀዳመይቲ ንባብ መልእኽቲ ናብ ቲቶ ክንርእዮ ንኽእል። ኢየሱስ ዝመጸ ንኹልና ድሕነትን ፍጽምና ክህብካብ ፍትወት ዓለም ከውጽአና ኩሉ ዝንባሌን ሃረርታን አብ ዕንወትን ውድቀትን ዝወስደና ሓዲግና ናብቲ ሓቀኛ መንነትና ክመልስ እዩ ተልኮኡ። ጥምቀትና ምስቲ ናይ ኢየሱስ ዝተተሓሓዘ እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ከርድኦ ኢሉ ንቲቶ ከምዚ ይብሎ “ ናይ እቲ መድሓኒና ዝኾነ አምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስተገልጸ ግና ንሕና ብዝገበርናዮ ገብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልአይ ልደት ዝህብ ምሕጻብን መንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድኃነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ክንከውን ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለና አብዚሑ አፍሰሶ” (ቲቶ 2፡4~7)።

ቃል ሥጋ ኮነ ክብል እንከሎ ንሕና ካብ ናይ ሓጢአት ዝንባሌ ሥጋ ነጻ ምእንቲ ክንከውን ከምዝኾነ የስምዕ። ጥምቀቱ ንአና እውን እዩ። አብ ጊዜ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎ። ንአኡ ጥራሕ አይኮነን ንአና እውን ሓቀኛ ርትዒ መታን ከውርድ። ሓቀኛ ሕብረተ ሰብ ዝብሃል ኩሉ እቲ ዘድልዮ ክረክብ እንከሎ እዩ፥ መሰሉን መንነቱን ዝተሓለውን ዝተረጋገጸን ክኸውን እንከሎዩ፥ ሰባት አብ መንግኦም ሓቀኛ ርክብ ክነብሩ እንከለዉ። ንዚ ክህብና ተጠምቀ።

ቅዱስ ማቴዎስ ንቃል ኢሳያስ ንኢየሱስ አመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል፥” ንሱ አይኪከራኸርን አይክጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ አብ ቅርዓት ድምፁ አይኪሰምዕን እዩ። ፍትሒ አብ ዓወት ክሳብ ዜብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ አይክሰብርን፥ ንዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን አይከጥፍእን እዩ አሕዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም (ማቴ 12፡19~20)” እናበለ መንነት ኢየሱስ አብ ሓጢአተኛታት ዘልኦ ፍቕሪ አብ መንግኦም ኮፍ ኢሉ ምስኦም ክበልዕ እንከሎ ዘርአዮ ፍቕሪ ይገልጽ። ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሓዲጉ ነታ ሓንቲ ዝጠፍኤት ከናዲ ክመልሳ ምስ ብጾታ ክሕውሳ ዝኸደ ሕያዋይ ጓሳ እዩ ንሱ።

ኢየሱስ ምስቲ ኩሉ አብ ልዕሊኡ ዘርአይዎ ጽልኢ፥ ምንጻግ፥ ከጥፍእዎ ምድላይ፥ ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ ቀሪብዎም። አብ ዘመናት ከም ዝተራእየ ንተኸተልቱ መጠን ከጥፍእዎም ዝተግሁ መጠኑ በዚሖም። ንሱ ንአና ነጻ ክገብር፥ ሰላም ከውርድ አብ መንጎና መጺኡ።

ናትና ጥምቀት።

ሎሚ ንነፍስወከፍና አብ ዕለት ጥምቀትና ተመሊስና ክነስተንትን ዕድል ዝህበና መዓልቲ እዩ። ቅድሚ ዓመታት ሓንሳብ ዝተፈጸመ እሞ ክርስትያን ዝገበረና ፍጻሜ ጥራሕ አይኮነን። አብ ሓጺር ጊዜ ጥራሕ ዝተፈጸመ ሥርዓት እሞ ተአምራት ዝገብር ጥራሕ አይኮነን። ጥምቀት መጀመርታ ናይ ሕይወት ጉዕዞ እዩ። ንሱ መጀመርታ አብ ሰውነት ክርስቶስ ከም እንዓቢ ዝገብረና እዩ። ትምቀትና ጽቡቕ ማሕበራዊ ተመክሮና እዩ። ናይ ግሊ ወይ ናይ ስድራቤት ጉዳይ ጥራሕ አይኮነንን ወላእኳ ከምኡ እንተመሰለ። ፍጹም ተዋስኦ አብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዝሓትት እምበር ተቓባላይ ጥራሕ ኮንካ ክትነብር ዘየፍቅድ እዩ። ፕረሲደንት ከነዲ አብ ናይ ምጀመርታ መደርኡ ከምዝበሎ “ቤተክርስትያን እንታይ ከም እትገብረልካ ዘይኮነ ንስኻ ንቤተክርስትያንካ እንታይ ከም እትገብረላ እዩ እቲ ቁምነገር” ።

ነፍስወከፍና ሕያው ምስክር ወንጌል ክንከውን ጽዉዓት ኢና። ናይ ዓለም ጭው ክንከውን፥ አብ ጎቦ ዝተሓንጸት ቤተክርስትያን ክንከውን፥ ንኹሉ እተብርህ መብራህቲ ክንከውን። ጥምቀትና ዘይወዳእ መጸዋዕታ አሰር ክርስቶስ ክንክተል እዩ። ኩሉ ትንቢትን ቃል ወንጌልን ዝብሎ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክነተግብር ዝግድደና እዩ። ሎሚ እምብአር መብጽዓና ተወፋይነትና ንኢየሱስ እነሓድሰሉ ዕለት እዩ። ተግባር ኢየሱስ ክንሠርሕ ቅርቡነትና እንገልጸሉ መዓልቲ እዩ።

እምብአር ብዘይ ናትና ተሳትፎ ብዙሕ ናይ አምላኽ ስርሓት ፍጻሜ ክረክብ አይክእልን እዩ። ናትና እሽታን ምቕባልን ንጸጋ አምላኽ ከፍሪ ባይታ ይኾኖ እዩ እሞ ሎሚ አብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝአቶናዮ ጉዕዞ ሕይወትና አሓዲስና ሕይወትና ቀይርና አምላኸይ ምሳኻ አሎኹ ጉዕዞ ሕይወተይ ባርኸለይ እሙን ኮይነ ከገልግለካ ሓግዘኒ ሰላም ክዘርእ፥ ፍቕሪ ክሰብኽ፥ ምሕረት ንዝበደልክዎ ክእውጅ ሓግዘኒ ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.