2010-01-22 16:12:35

ንኅብረት ክርስትያን ምጽላይ ከምዝግባእ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብቲ ልሙድ ናይ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ መደቦም፣ ሽሕኳ ጉዕዞ ኅብረት ክርስትያን ጽቡቅ ግሥጋሴ የርኢ እንተሎ ገና ምሉእ ኅብረትን ሓድነትን ክሳብ ዚርከብ ምጽላይ ከምዘድሊ ገአሊጾም። ደሕሪ መኽፈቲ ጸሎትን ንባብ ቃለ እግዚአብሔርን ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ ሂቦም። “ዝኸበርኩም አኅዋትን አኅትን፣ ኣብ ማእከል ሰሙን ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ንርከብ አሎና፣ እዚ ልማድ እዚ ንሓደ ክፍለ ዘመን እናዓበየ ዝመጸ ተበግሶ ሓድነት እዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ጭቡጥ ምልክት ሓድነት ክርስትያን አብ ዘማዕብል አርእስቲ እናአተኰረ ኅሊና አብ ክርስቶስ ዚአምኑ የነቃቅሕ። ነዚ ልዕሊ ኩሉ ንክርስቶስ ብምምሳል “ኦ ኣቦይ ዓለም ንስኻ ከምዝለአኽካኒ ምእንቲ ክትአምንሲ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እልምነካ አሎኹ” (ዮሐ.17:21) ብምባል ምሳኡ ንምጽላይ ብምዕዳም ይገብሮ። ናብ ምሉእ ሓድነት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክሳብ ዝብጻሕ ብጽንዓት ምጽላይ ዋና መንገዲ ንሓድነት እዩ ከመይ እቲ ሓድነት ልዕሊ ኩሉ ጸጋ አምላኽ ስለዝኾነ ክንጽሊ አሎና። ነዚ ከአ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ኅብረት ክርስትያን ቍ. 24 “እዚ ዝተቀደሰ ቍርጺ ፍቃድ ማለት ንኵሎም ክርስትያን አተዓሪቅካ ኣብታ ሓንትን ንውልቃን ዝኾነት ኣብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ንምቛም ካብ ሰብአዊ ኃይልን ፍልጠትን ንላዕሊ እዩ።” ብምባል ይገልጾ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንኅውነታዊ ርክብና ንምምዕባልን አብ መንጎ አብያተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብ እንገብሮ ጻዕርን ብተአማንነትን ሓድነት ልብን ጸሎትና ናብ አምላኽ ክነዕርግ ግድን እዩ።

ናይዚ ዓመትዚ አርእስቲ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ክሰናበቶም እንከሎ ዝተዛረቦ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 24 ቍ.48 “ናይዚ ነገራት እዚ መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኹም” ዝብል እዩ። እዚ አርእስቲ እዚ ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምምዕባል ሓድነት ክርስትያን ምስ ኮሚሽን እምነትን ቅዋምን ናይ ቤት ምኽሪ ሓድነት አብያተ ክርስትያን ንጉባኤ ሓድነት ክርስትያን ናይ እስኮትላንድ ብምሕታት ዝተገብረ እዩ። ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ምስ ክርስትያን ዘይኮነ ዓለም አብ ዝግበር ርክብ ዘሎ ጉዳያት ዘጽንዕ ዓለም ለኻዊ ኮንፈርንስ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ከተማ አደንበራ ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 24 ሰነ 1910 ዓም ጉባኤ አካዪዱ። ሻቡ ካብቲ ዝተዘተየሎም ነጥብታት ሓደ “ነንሕድሕድካ ተፈላሊኻ ከሎኻ ከመይ ገቢርካ ንዘይክርስትያን ወንጌል ከተበሥር ትኽእል” ዝብል ነበረ። ኣብዚ ንክርስቶስ ዘይፈልጥ ዓለም ማለት ወይ ካባኡ ዝረሓቀ ወይ እውን ብዛዕባ ወንጌሉ ዘይግደስ ዓለም ክርስትያን ተፈላሊዮም ክቀርብዎ ዝገደደ ከአ ነንሕድሕዶም እናተቃወሙ ክቀርብዎ ከለው፣ ክርስቶስ እንኮ መድኃኒ ዓለምን ሰላሙን እዩ ቢሎም እንተሰበኹ ይእመንዶ፦ ካብቲ ጊዜ እቲ ጅሚሩ አብ መንጎ ስብከተ ወንጌልን ሓድነት ክርስትያንን ዘሎ ርክብ መሠረታዊ ዝኾነ ጐድኒ ተግባር ሓድነት ክርስትያን ብምቋም ነጥበ ተበግሶ ናቱ ኮይኑ። በዚ ከአ ናይ አደንብራ ጉባኤ ከም ጽኑዕ ነጥቢ ናይ ዘመንና ኅብረት ክርስትያን ጌርና እንወስዶ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ካልአይ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ነዚ አመለኻኽታ እዚ ብምሉኡ ተቀቢላ፣ አብ ኅብረት ክርስትያን ቍ.1 “ከምዚ ዚአመሰለ ናይ ክርስትያን ምክፍፋል ንናይ ክርስቶስ ፍቃድ ብግልጺ ዝቃወም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንዓለም እውን ዕንቅፋት ኢዩ፣ ነቲ ንኩላቶም ፍጡራት ክግለጽ ዝግብኦ ስብከተ ወንጌል ጐዳኢ ኢዩ” እንክትብል አቃሊሓቶ።

ነዚ ሶሙን እዚ ንአስተንትኖን ጸሎትን ዝቀረበ አርእስት ኸስ በዚ ዝተገልጸ ንባበ መለኮታውን መንፈሳውን መንፈስ እዩ፣ ማለት ግድነት ናይ ኅቡር ምስክርነት ክርስቶስ ብምእማን እዩ ዝተገብረ። “ናይዚ ነገራት እዚ መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኹም” ዝብል ሓጺር አርእስቲ ምስ ትሕዝቶ ምሉእ ምዕራፍ 24 ወንጌል ሉቃስ ክንበብ አለዎ። ትሕዝቶ ናይዚ ምዕራፍ እዚ መጀመርያ ናብ መቃብር ብምኻድ ምልክት ትንሣኤ ክርስቶስ ብምርአይ ንሓዋርያትን ካልኦትን ዝረአዮኦ የበሥራ፣ ካብ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ንሐዋርያት ይረአዮም፣ ንስምዕን ጴጥሮስ ይረአ አስዒቡውን ነቶም 11ን ምስኦም ዝነበሩን ይረኤ። ኢየሱስ አእምሮኦም ብምኽፋት ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መድኃኒ ሞቱን ትንሣኤኡን ዝብሎ ይርደኦም፣ ብዚ ከአ “ብስሙ ንኩሎም አሕዛብ እምነትን ኅድገት ኃጢአትን ከምዝስበኽ” የረጋግጸሎም። ብሓድነት ተአኪቦም ንዝጽበዩ አርድእቲ መንፈስ ቅዱስ የተስፍዎም፣ ንኩሉ ዓለም ከአ መሳኽሩ ክኾኑ ይላበዎም፣ ካብዚ ብምንቃል ነዚ ናይዛ ሶሙን አርእስቲ አስተትኖን ጸሎትን ክትኮን ዝተመርጸት “ናይዚ ነገራት እዚ መሰኻኽር ንስኻትኩም ኢኹም” ይብሎም። ካብዚ ክልተ ሕቶ ይለዓለ፣ ናይዚ ነገራት እዚ ዝብሎ እንታይ እዩ። ካልአይቲ ከአ ንሕናይ ከመይ ቢልና ናይዚ ነገራት እዚ መሰኻኽር ክንከውን ንኽእል።

ነቲ ምዕራፍ ብምልአት እንተተመልከትና “እዚ ነገራት እዚ” ዝብሎ መስቀልን ትንሣኤን እየን፣ ሐዋርያት ስቅለት ጐይታ ርእዮም እዮም፣ ካብ ሞት ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብምርአይ ብዛዕባ ሕማማትን ጸጋ ትንሣኤን ዝዛረቡ ቅዱሳት ጽሑፋት ክርድኡ ጀሚሮም። “እዚ ነገራት እዚ” ዚበሃልከስ ምሥጢረ ክርስቶስ እዩ፣ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር፣ ምእንታና ዝሞተ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ንዘለዓለም ዝነብር፣ በዚ ከአ ንዘለዓለማዊ ሕይወትና ዋሕስ ይኾነና።

ኮይኑ ግን እቲ መሠረታዊ ነጥቢ ንክርስቶስ ብምፍላጥ ንእግዚአብሔር ንፈልጥ፣ ንኣኡ ዚረአየ ነቦ ስለዝርኢ። ክርስቶስ ተገልጾ እግዚአብሔር ስለዝኾነ እውን። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ሽሕኳ ኣብ ህላዌ እግዚአብሔር እንተአመኑ፣ እግዚአብሔር ከም ርሑቅን ዘይረአን የቅርብዎ። ብክርስቶስ ግን እዚ እግዚአብሔር እዚ ቀረባ ይኸውን፣ ይግለጽ፣ እዚ ካልእ ኩነት ይገልጽ፣ ክርስቶስ በይኑ ከምዘይኮነን ኣብ ማእከልና ከምዝመጸን፣ ኮይኑ ግን ንኩልና ናባኡ ምእንቲ ክስሕብ ክርስቶስ በይኑ ከምዝሞተ ይገልጽ። ከምቲ ጽሑፋት ዝብልዎ ክርስቶስ ንኩሉ ናባኡ ብምውሃድ ዘለዓለማዊ ሕይወት የልብሶ፣ በዚ ኸስ ንደቂ ሰባት ብዘውሃሃድ ክርስቶስ መጻኢ ዕድል ደቂ ሰባት ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምዝኾነ ንርዳእ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንክርስቶስ ብምፍላጥ ንእግዚአብሔርን አካሉ ዝኾነት ምሥጢር ቤትክርስትያንን ዝተተስፎናያ ዘለዓለማዊት ሕይወትን ንፈልጥ።

ብኸምዚ ኣብታ ካልአይቲ ሕቶ ንአቱ፣ ብኸመይ መሰኻኽር ናይዚ ነገራት እዚ ክንከውን ንክእል፦ ንክርስቶስ ብምፍላጥ ብአኡ ኣቢልና ከአ ንእግዚአብሔር ብምፍላጥ መሰኻኽር ክንከውን ንኽእል። ንክርስቶስ ምፍላጥ ዝሓቶ ጉዳይ እውን ኣሎ፣ እዚ ጉዕዞ ፍልጠት እዚ ጉዕዞ ተመኵሮ እውን እዩ፣ አነነተይ ንእዚአብሔር ክኸፍት አሎኒ፣ ብኃይሊ ክርስቶስ ዝፍጸም ለውጢ ሕይወተይ ከማኡውን ናይቶም አካል ክርስቶስ ክኾኑ ዘሎም ካልኦት ኩሎም ለውጥን ጉዕዞን የጠቃልል። በዚ መንገዲ እዚ ንክርስቶስ ምፍላጥ ጉዕዞ ምስክርነት ምዃኑ ንግንዘብ። ብኻልእ አዘራርባ ንክርስቶስ ከም ግላዊ መድኅና ብቀዳምነት ብተመኵሮ ሕይወትና ናይ ግሊ መድኅና ከምዝኾኑ ክንፈልጦ ከምንኽእል ንግንዘብ። አብ ግላዊ ሕይወትና ብሓቂ ብምፍላጡ ምስክር ንኸውን፣ በዚ ኸስ ንተሃድሶ ዓለም ማለት ንዘለዓለማዊ ሕይወት እጃምና ከነበርክት ንኽእል። ነዚ “ናይዚ ነገራት እዚ መሰኻኽር ኢኹም” ዝብሎ ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቍ.195 ብኸምዚ ዚስዕብ ይገልጾ፣ “ናይ ኒቅያ ጸሎተ ሃይማኖት ወይ ከአ ናይ ኒቅያ-ቍስጥንጥንያ ጸሎተ ሃይማኖት ዚበሃል ሥልጣኑን ዕቤቱን ዚዓዝዝ ካብተን ቀዳሞት ክልተ ዓበይቲ ኤኩመኒካዊ ጉባኤታ ዝፈልፈለ “ብ325 ን ብ381 ዓ.ም.ፈ.) ስለዝኾነ እዩ።” ብምባል ይገልጾ። “ናይተን ኩለን አብ ምሥራቅን ምዕራብን ዘለዋ ዓበይቲ አብያተ-ክርስትያን ናይ ሓባር ምልክት ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይሠርሕ አሎ።” ብምባል ከአ የብርሆ። አብዚ ጸሎተ ሃይማኖት ንዘሎ ፍልይያት ብምስጋር ናብ ምሉእ ሓድነት ሓድነት አካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንምብጻሕ ተስፋ እናገበረ፣ ዓለም ነዚ ክሳብ ዚአምን ክርስትያን ክእመኑለንን ክምስክሩለንን ዝኽእሉ ሓቅታት እምነት ይርከቡ።

እዚ ሳምንቲ ጸሎት ካልእ ነገራት እውን ኣብ ግምት ክነእቱ ይዕድመና፣ ካብ ጉባኤ አደንደራ ክሳብ ሎሚ አብ ኅብረት ክርስትያን ዝተገብረ ዕብየት ብምዝካር ንእግዚአብሔር ክነመስግን፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን ካብ ካልአይ ጉብኤ ቫቲካን ዝገበረቶ ሕውነታዊ ርክብ ምስ ኩለን ምሥራቃውያንን ማኅበረ ክርስትያን ምዕራብን ብኅልፊ ምስተን ዓበይቲ ቤተ ክርስትያናት ክልተአዊ ዝርርብ ብምግባር ኣብ ንባበ መለኮት ሓባራዊ ነጥብታት ብምርካብ ዝተገብረ ግሥጋሴ ዓቢ ዓወት እዩ።” ብምባል ኣብዚ ዚሓለፈ ዓመታት ዝተገብረ ዝርርብን ሓባራዊ ለበዋታትን ብምዝካር ኣብዚ ሶሙን እዚ ኣብ ዝግበር ጸሎት ኅብረት ኣብያተ ክርስትያን ብምትኳር ኩሎም ንእግዚአብሔር ብዝተረኽበ ጸጋ ክነመስግንን ጸጋ ምሉእ ኅብረትን ሓድነትን ንኽህበና ንእግዚአብሔር ብምልማን ኣብ ጸሎት ክንተሓባበሮም ተማሕጺኖም።

አብ መወዳእታ ንኩሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ድሕሪ ምምስጋን ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምልጋስ ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.