2010-01-16 17:01:20

አብ ሃዪቲ : ሐይሊ ፍቅሪ የድሊ


ዝሐለፈ ሰሉስ ዕለት ዓሰርተ ክልተ ጥሪ አብ ካራይቢ አብ ደሴት ሃዪቲ ብሸውዓተ ሪኽተር ዝልካዕ መሬት ከም ዝተንቐጥቀጠን ብዙሐት ዜታት ደሴት ሃዪቲ ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ንብረት ከም ዝዓነወን ይዝከር። ሀገራት ዓለምን ማኅበራት ተራድኦን ንህዝቢ ሃዪቲ ህጹጽ ረዲኤት ይልእኩ ከም ዘለዉን ይፍለጥ።

ናይ ቫቲካን ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አብቲ እክታቫ ዲስ ዝጽዋዕ ሰሙናዊ ሰሌዳ ሐበሬታ ማእከል ተለቪዝዮን ቫቲካን ዘስፈርዎ ርእሰ ዓንቀጽ ከም ዘመልከትዎ፡ አብዚ ግዜ”ዚ ህዝቢ ዓለም በዚ አብ ደሴት ሃዪቲ ዘጋጠመ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ፡ ሐዚኑ ከም ዘሎ ጠቂሱ ነቲ አብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ንምሕጋዝን ንምርዳእን ይጽዕር ከም ዘሎን እዚ ምትሕብባር”ዚ ሰናይ ተገባር ከም ዝኾነ አመልኪቱ።

ቀጺሉ ክአ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክአ በዚ አብ ደሴት ሃዪቲ ዘጋጠመ መቅዘፍቲ አዝያ ከም ዝሐዘነትን ብተቅዋማታ አቢላ ነቲ አብ ሽግር ዝወድቀን በዚ ምንቃጽ መሬት”ዚ አብ ሕማቅ ኩነታት ዝውደቀ ህዝቢ ሰብአዊ ረዲኤት አብ ምሃብ ከም ትርከብ አገንዚቡ።

ብጠንቂ”ዚ አብ ደሴት ሃዪቲ ዝተኸሰተ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ፡ ብሐፈሻ አብ ልዕሊ”ቲ ህዝቢ ዝወረደ መቅዘፍቲ አብ ልዕሊ’ቶም አብቲ ቦታ ዝነበሩ ውሉደ ክህነት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሐደጋ ቤተክርስትያን አብ ሐዘን ከምትርከብ ናይ ቫቲካን ውሀቢ ቃል ርእሰ ዓንቀጽ አመልኪቱ።

ናይ ርእሰ ከተማ ፖርት አው ፕሪንስ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩን ካልኦት ብዙሐት ካህናትን ደናግልን በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ እቲ ርእሰ ዓንቀጽ አተሐሒዙ አገንዚቡ።

ናይ ቫቲካን ውሃቢ ቃል ማእከል ተለቪዚዮን ቫቲካን ዳይረክተር አብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ርእሰ ዓንቀጽ አተሐሒዙ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ አብ ካራይቢ ደሴት ሃዪቲ ዝወረደ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ትልቂ ሐዘን ከም ዝተሰምዖም ጠቂሱ ፡ ተቅዋማት ረዲኤት ቤተክርስትያን ቅጽበታዊ ሰብአዊ ሐገዝ ከበርክታ ሀገራት ዓለም ናይ ረዲኤት አእዳወን ክዝርግሐን ከተሐባበራን አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ፡ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ክአ ምስኦም ሐቢሮም ምእንቲ”ቶም በቲ ሐደጋ ሕይወቶም ዝስአኑ ክጽልዩ ከም ዝተማሕጸኑ ገሊጹ።ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ፍቅሪ ሰብ አብ መስቀል ተሸንኪሩ ንፍጥረት ሰብ ዘለዎ ሐቀኛ ፍቅሪ ዘግሀደ ሰባት ንህዝቢ ሃዪቲ መንፈሳውን ንዋታውን ሐገዙ ክበርክት ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ ክአ አመልኪቱ።

ሰበኻ ሮማ ህጹጽ ናይ ምእቲ ሺሕ ናይ መግብን ፈውስን ረዲኤት ከም ዝልአኸ እቲ ርእሰ ዓንቀጽ ዘኪሩ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዕለት ዕስራን አርባዕተን ክአ አብ ኩለን አብያተ ክርስትያናት ኢጣልያ ንህዝቢ ሃዪቲ ገንዘብ ከም ዝዋጻእ አዘኻኪሩ።

እዚ ተንብብዎ ዘለኹም ብራድዮ ቫቲካን መደብ ትግርኛ ዝተሕሓላለፈኢዩ !! ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብተንቂ”ቲ ዝሐለፈ ሰሉስ አብ ሃዪቲ ዝተኸሰተ ምንዋጽ መሬት እታ ሕደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብረላ ዝፍለጥ ርእሰ ከተማ ሃዪቲ ፖርት ኦውፕሪስ አዝያ ከም ዝተሀስየት ክዝከር ከሎ ፡ቁጽሪ ፡ ናይቲ ሕይወቱ ዝስአነ ህዝቢ ልክዕ ብንጹር ክንድዝ”ዚ ኢዩ ክብሃል ከም ዘሸግር ክምልከት ከሎ ናይታ ደሴት ሰበ ሥልጣናት ሚእቲ ሺሕ ህዝቢ ሕይወቱ ከም ዝስአነ ከመልክቱ ከለዉ ፡ሐሙሽተ ሚእቲ ሺሕ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ትካላት ከም ዘለዉ ክጥቀስ ከሎ፡ ሃገራት ሐቆፍ ማኅበር ቀይሕ መስቀል ብውገኑ ብጠንቂ”ቲ መቅዘፍቲ ሐምሳ ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ የመልክት። ዝቆሰሉን መጽለሊ አልቦ ዝተረፉን ዜጋታት ሃዪቲ ካብ ሰለስተ ሚልዮን ከም ዝበዝሑ ተነጊሩ።አብ ትሕቲ ህንጻታትን አባይትን ተቀቢሮም ዝተረፉ ሰባት እዝዮም ብዙሐት ከም ዝኾኑ ብሕይወቶም ንምርካብ ይጽዓር ከም ዘሎን ይፍለጥ።መሬት ክናውጽ ከሎ አብ ደሴት ሃዪቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተን ፈረቃን ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ሕጻናት አብ ትምህርቲ ከለዉ ስለ ዝኾነ ብዙሐት እቲ አጽሊሎምሉ ዝነበሩ አብ ልዕሊኦም ከም ዝወደቀ ተነጊሩ።ካብቶም በቲ ሐደጋ ብርቱዕ ቆሲሎም ዝተረፉ ሰባት ሕጹጽ ናይ ሕክምና ረዲኤት ስለዘይረኸቡ ክድሕኑ ከም ዘይክአሉ ተተሐሒዙ ተገሊጹ ።

ናይ ወጻኢ ህጹጽ ረዲኤት ድሕሪ”ቲ ሐደጋ ሐምሳን አርብዕተን ሰዓታት ከም ዝበጽሔን ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ትማሊ መግቢ ፈውሲ ክዳን ክዕድል ከም ዝጀመረ ይምልክት።

ዝበዝሕ ህጹጽ ረዲኤት አብ ርእሰ ከተማ ደሴት ሃዪቲ ፖርት ኦው ፕሪንስ ከወርድ ሰለዘይክአለ ሚእቲ ኪሎ ሜትር ርሒቁ ንጐረቤት ሳን ዶሚንጎ ከም ዝተዘዋወረ ብዙሐት ሀገራት ሐቆፍ ትካላት ረዲኤት አፍሊጦም።

ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ዋና ጽሐፊ ባን ኪሙን አብታ ደሴት ሰላም ዘኽብሩ ዝነበሩ ናይ ባይቶ ዓቀብቲ ሰላም ብጠንቂ”ቲ ምንዋጽ መሬት ብዙሐት ሞይቶም ከም ዘለዉ አመልኪቶም፡ አባል ባይቶ አብ ረዲኤት ክተሐባበራ አተሐሳሲቦም።

ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ረዲኤት ንደሴት ሃዪቲ ይልአኽ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት መራሕ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ፡ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ሐገዝ ከም ዝፈቀዱ፡ ረዲኤት ዝጽዓና ነፈርቲ መራኽብን ሆሊኮፕተራት ከም ዝልአኹ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ልዕሊ”ዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ መራሕቲ ዝነበሩ ፡ ፕረሲደንት ጂዮርጅ ዳብልዩ ቡሽን ቢል ክሊተንን ነቲ ንደሴት ሃዪቲ ዝውሃብ ሐገዝ ከወሃህዱ ከም ዝሐተትዎምን ንሳቶም ነቲ ሐሳብ ከም ዝተቀበልዎን ናይ ቤተ መንግስቲ አመሪካ ውሃቢ ቃል ሮበርት ጊብስ መግለጺ ሂቦም ። ብኻልእ ወገን ናይ መንግስቲ ፈረንሳ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር በርናርድ ኹሽነር ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ንደሴት ሃዪቲ ዳግም ንምህናጽ ዓለም ለኸ ጉባኤ ክካየድ መደብ ክሕንጸጽ ኢዩ።

 







All the contents on this site are copyrighted ©.