2010-01-16 12:53:22

ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ቤተ መዘክራት


ሰንበት ዕለት 17 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ምኩራብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ዕዉት ንምግባር RealAudioMP3 ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ምእመናንን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ተቛምት ክገብዎ ዝቐነዩ ምቅርራባቶም ከምዝዛዘሙ ተረጋጊጹ።

ቅዱስነቶም ሮማ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ቤተ ምዘከር እውን ክበጽሑ ምዃኖን እንክንገር፣ ነዚ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ዝምልከት ናይ ኣይሁድ ቤተ መዝከርን ኣብ 1700 ዓመታት ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስሜት ዝገልጹ 14 ዝተፈላለዩ ንምርኢት ዝቐርቡ ናይ ቅብኢ መግለጽታት ክምልከቱ እውን ምዃኖም ናይቲ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ቤተ መዘክር ሓላፍት ዶክተር ዳኔኤላ ዲ ክሳትሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ ሓቢረን።

እዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሮማ ምኩራብ ዝገብርዎ ምብጻሕ ነቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ 24 ዓመት ኣብ 1986 ዓ.ም.ፈ. ዝተፈጸመ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊክን ዝነበረ ርክባት ዝሓደሰን ሓድሽ መልክዕ ዘትሓዘን ኣብ ሮማ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ዝገብርዎ ምጻሕ ቀጺሉ ዝፍጸም ምዃኑ ዘኪረን እዚ ቤተ መዘክር ዘቕርቦ ምርኢት ኣብ መንጎ ኣይሁድን ር.ሊ.ጳ. ዘሎ ርክባት ዘንጸባርቕ ኢዩ ኢለን።

ኣብ መፋርቕ 1500 ዓ.ም.ፈ. ኣይሁዳውያን ማኅበራዊ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተነፊግዎም ካብ ካልኦት ተነጺሎም ንኽነብሩ ፍሉይ ከባቢ ተዋሂብዎም ተሓጺሮም ክነብሩ ተውሲንዎም ከብቅዑ፣ ንናይ ስሜት ኣርእስተ ሊቃ ጳጳሳት ኣብ ዝግበሩ ናይ በዓል ሥነ ሥርዓት ንዝገብርዎ ሱታፌ ግን ከምዘይዓገቶ ገሊጸን፣ ብሓቂ ዜጋታት ናይ ኢጣሊያ ምዃኖም ዝመስከሩ ኢዮም ኢለን። እዚ ቤተ መዘክር ኣይሁድ ሓደ ናይ ሮማ ክፋል ምዃኑን ናይ ሮማውያን ኣይሁድ ዝኽርን ምስ ሮማን ኢጣሊያን ታሪኽ ዘለዎም ምትእስሳር ዝምስክርን ሮማ ንምፍላጥ ካብቶም ክፍለጡ ዘለዎም ክፍሊ ታሪኽ ኢዩ ምስ በላ፣ እቲ ቤተ መዘክር ዝርከበሉ ክፍሊ ከተማ ሮማ እቲ ቐደም ሮማውያን ኣይሁድ ማኅበራውን ዜጋውን መሰልን ፍቓድን ተነፊግዎም ተሓጺሮም ዝነብርሉ ዝነበረ ሥፍራ ዘዘኻኽር እውን ኢዩ ኢለን።

ብባህላዊ መዳይ ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኣይሁድን ዝግበር ዘተ ዓብን ቀንድን ደገፍ ምዃኑ ገሊጸን፣ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ ቤተ መዘክር ዝገብርዎ ምብጻሕ ንናይ መራኸቢ ብዙሃን ዝስሕብ ብምዃኑ እዚ ቤተ መዝክር ንኽፍለጥ ዝሕግዝ እውን ኢዩ ቢለን ዝሃበኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.