Home Archivio
2010-01-16 12:51:11
ብፁዕ ካርዲናል ኤቸጋራይ ካብ ቤት ሕክምና ወጺኦም
ዕለት 24 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ናይ በዓለ ልደት ሥርዓት ቅዳሴ ንኸዕርጉ ምስ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ዓቡናትን ብሁባሬ ናብ መንበረ ታቦት እናምርሑ እንከለዉ ሓንቲ ሱሳና ማዮሎ ዝተባህለት
ካብቲ ምእመናን ተሳተፍቲ ሥርዓት ቅዳሴ ዝርከብሉ ቦታ ናብ ቅዱስ ኣቦና ገጻ ብምምራሕ ብናይ ቅዳሴ ልብሶም ሒዛ ክትጎቶም ዝረኣዩ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን፣ ናይ ውሑደ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሮጀር ኤቸጋራይ ንቅዱስ ኣቦና ንኽከላኸሉ እንክብሉ ወዲቖም ብዝወረዶም ማህሰይቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣጐስቲኖ ጀመሊ ናይ ካቶሊክ ናይ ሕክምና መንበረ ጥበብ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 27 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ንሉእ ሪሕ መጥባሕቲ ተገይርሎም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ካብ ቤት ሕክምና ከምዝወጹ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመፍሓላለፈ መገልጺ የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.