2010-01-14 13:43:27

ኣፍቅሮተ ዘቤት


ኣቲ ብኪያራ ሉቢክ ዝተመሥረተ ፎኮላሪኒ ኣፍቅሮተ ዘቤት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ምስቲ ሪሾ ኮሰይ ካኢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ዘነቓቓሓሉ መበል 30 ዓመት RealAudioMP3 ምኽንያት ናይዚ ማሕበር ጠቕላሊት ሓለቓ ማሪያ ሉቸ ኣብ ሃገራት እስያ ምብጻሕ የካይዳ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እቲ ዘተ ኣብ 1979 ዓ.ም.ፈ. ብኪያራ ሉቢክን በቲ ናይቲ ሪሾ ኮሰይ ካይ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት መሥራቲ ኒኮዮ ኒዋኖ ዝተኻይደ ርክብ ዝተጀመረ ምዃኑን እንክንገር፣ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ ፎኮላሪኒ ሊቀ መንበር ማሪያ ቮቸ ምስ ተሓባባሪ ሊቀ መንበር ናይ ፎኮላሪኒ ጃንካርሎ ፋለቲ ኣብ ጃፓን ምብጻሕ ገይረን፣ ጽባሕ ኣብቲ ናይ ሪሾ ኮሰይ ካይ ቅዱስ ኣዳራሽ ዘተ ክካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ። ማሪያ ሉቸ ኣብ ኮርያ እውን ክበጽሓ ምዃነን ክንገር እንከሎ፣ ኣብዛ ሃገር ዝገብርኦ ብምጻሕ ኮርያ ንኽልተ ንኽትክፈል ዝደረኹ ሕቶታትን ኣብ ልዕሊ ኮሪያ ዝተፈጸመ 25 ዓመት መግዛእቲ ጃፓንን ቅድሚ 200 ሚእቲ ዓመት ክርስትያን ምእመናን ኣብዛ ሃገር ዝተቐበልዎ ናይ ደም ሰማዕትነት ዘማእከለ ከምዝኸውን ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.