2010-01-14 13:46:45

ናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ


ናይ ቁስጥንጥናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ናይ ኦርቶዶክስ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ዕለት 9 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም.ፈ. ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ናይ ብፁዕ ወቅዱስ ኣለክሲስ ካልኣይ ቀብሪ ሥነ ስርዓት ክሳተፉ ናብ ሞስኮ ከይዶም ከምዝነበሩ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ናይ ወጻኢ ርክባት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ዘኪሮም፣ እዚ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ ሩሲያ ዝገብርዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዝፍጸም ታሪኻዊ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ዝፍጸም ወግዓዊ ብምጻሕ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ መንጎ ናይ ሩሲያን ቁስጥንጥንያን ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ዘርእዮ ዘሎ ዓበይቲ ምምሕያሻት ዝከኣል ከምዝገበረ ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ከምዘመልከቱን እቲ ርክብ ዓሚዩቕን ቀጻልን ክኸውን ዘተባብዕ ምብጻሕ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ኣብ ግብጺ መንበረ ፓትሪያርክ ስክንድርያንን ኣብ ደማስቆ ንዝርከብ ናይ ኣንጽዮኪያ መንበር ፓትሪያርክ ክበጽሑ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮም ከምዘመልከቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.