2010-01-14 13:40:28

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ቅ. ኣቦና፣ ናይ ድኽነትን ምትሕብባርን ልዑል ምስክርነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብቲ ልሙድ ናይ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ መደቦም፣ ኣብ ናይ ማእከላይ ዘመን ቤተ ክርስትያን ዝተወልዱ ድኽነትን ምትሕብባርን መንፈሳዊ መሪሕነት ዝገበሩ ዓበይቲ RealAudioMP3 ማኅበራትን መሥረቶምን ዘማእከለ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ኣብ ፍራንቸስካውያንን ዶመኒካውያን ማኅበር ዘተኮረ ኮይኑ፣ እዞም ክልተ ማኅበራታ እዚኣቶም ኣብ ኅድኣትን ዕቱብነትን ዓቕልነትን ርእሰ ምቍጽጻርን ተመርኵይዞም ወንጌላዊ ድኽነትን ምትሕብባር ዝመስከሩ ምዃኖም ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም እዚ ዓይነት ሕይወተ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ ኣሲዚን ቅዱስ ዶመኒኮ ዘ ጉዝማንን ኣብ 1200 ዓ.ም.ፈ. ብቓልን ብሕይወትን ዝህብዎ ዝነበረ ምስክርነት ብሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ብኣኣቶም ኣብ ቤተ ክርስትያንን ብፍቓድ ቤተ ክርስትያን ዝመሥረትዎ መንፈሳዊ ማኅበር ክኣትዉ ከምዝደረኸን፣ ነቲ ዝተዓደልዎ ኵነት ብጥልቀት ናይ ምንባብ ጸጋ ምስጋና ይኹኖም ብሓቂ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወት ዝሓደሱ ኢዮም ኢሎም። እዞም ክልተ ቅዱሳት ምውላዶም ነታ ኣብቲ እዋን እትነብር ዝነበረት ቤተ ክርስትያን በቶም ኣባላታ ዝነብርዎ ዝነበረ ዘይኣብነታውን ስርዓት ኣልቦ ሕይወትን ምኽንያት ነዘጋጠማ ብድሖ ነኸተሰንፍ ናይ ኅዳሴ መልሲ ከምዝኾናን ኣረዲኦም፣ ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ወንጌል ዘየቃልሕ ሕይወት ክነብሩን፣ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያን ዝነብርዎ ዝነበረ ወንጌላዊ ድኽነት ረሲዖም፣ ምስ ናይ ካቶሊክ እምነት ዘይቃደው ዕላማታት ከንጸባርቑ ከምእተራኣዩን፣ ኣዞም ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳት ከምቶም ካታሪን ኣልቢገስን ግኡዝ ነገር ኵሉ ዝናሽዉን ንብረት ብሓፈሻኡ ኵሉ ግኡዝ ዘበለ ከም ሓጢኣት ዝኾነኑን እቲ ዝሰብክዎ ዝነበረ ነጻ ፍቓድን ድላይን ዝጻረርን ናይ ድርባውነት ፍልስፍና ዘተኣታተዉን እዚ ድማ ቀስ እናበለ ምስ ኣግዚኣብሔር ዝተመዓራረየ ናይ ክፍኣት እግዚኣብሔር ኣሎ ዝብል ጉጉይ ኣመለኻኽታ ዘተኣታተወ መናፍቕነት ዝኾነ ዓይነት ድኽነት ዘቃልሑን ዝመስከሩን ዘይኮኑስ ካብ ቤተ ክስትያን ከይተነጸሉን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክስትያን ወንጌላዊ ድኽነት ብቓልን ብሕይወትን ዝመስከሩ ኢዮም ኢሎም።

ዶመኒካውያንን ፍራንቸስካውያንን ውልቃዊ ጥሪት ብነጻ ድላዮም ኣይፋል ቢሎም፣ ኣብ ለውሃትን ድጋፍን ኣግዚኣብሔር ተወኪሎም ብምጽዋት ኣናነበሩ ወንጌላዊ ድኽነት ብሓይልን ጸጋን ኣምላኽ ዝከኣል ከምዝኾነ ዝመስክሩ ናይ ድኽነት ሕይወት ዝነብሩ ማኅበራት ኣብነት ኢያቶም፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ቅዱስ ዶመኒኮን ካብ ቤተ ክርስትያን ክይተነጸሉን ኣብ ምፍቃራ ከይጎደሉን ንሳ ናይ ወንጌልን ቅዱሳት መጻሕፍትን ሓቀይና መንበርን ቅድስቲ ቤት ከምዝኾነት ከይዘንግዑን ከይከሓዱን ምስኣን ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ዘለዎም ውኅደት ብምርግጋጽን እዚ ውኅደት’ዚ ድማ ነቲ ዝተቐብለዎ መንፈሳውነት ንምምስካር ሓይሊ ኮይንዎም ኢዩ ኢሎም።

እዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ቅዱስ ዶመኒኮን ከም መምሃራን ናይ ወንጌል ዘይኮኑስ ናይ ኅድኣትን ዕቱብነትን ዓቃልነትን ርእሰ ምቍጽጻርን ሕይወት መሰኻኽር ኮይኖም ብዙሓት ሰባት ናብ ቤተ ክርስትያን ክምለሱን ምስ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮም ውህደት ክሕድሱን ዘተባብዑን ናብ ቤተ ክርስትያን ዝማረኹን ከምዝኾኑን ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም ኵሉ ክርድኦ ብዝክእል በዝቐለለን ንጹርን መገዲ ወንጌል መስኪሮም ድማ ብዙሓት ነቲ ብኣኦም ዝተንጸባረቐ ሕይወት ክስዕቡ ዝማረኹን ዝተፈላለያ ብሳልሳይ መንፈሳዊ ማኅበራት ተባሂለን ዝፍለጣ ብዓለማውያን ምእመናን ዝቖማ ማኅበራት ንኽምሥረታ ገይሮም ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘረጋገጾ ቅድስና ንፍሉያት ዘይኮነስ ኵሉ ንኽበጽሖ ዝተዓደለ ሕይወት ከምዝኾነን ዝገለጾ ሓሳብ መሠረት ኮይኑ ኢዩ። ኵሉ በቲ ዝነብሮ ጸዋዕታኡ ወንጌላዊ ሕይወት ክምስክር ዝተጸውዔ፣ ቅድስና ናይ ክርስትና ሕይወት ሚዛን ከምዝኾነ ቅድም ቢሎም ዝመስከሩ ቅዱስነት ኢያቶም ኢሎም።

ሎሚ እውን ነቲ ብምዃን ዘይኮነስ በቲ ዘለካ ዝዕቅንን ኣብ ምእካብ ኣብ ዝተጸምደ ዓለም ወንጌላዊ ድኽነትን ምትሕብባርን ዘተባብዕ ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ነዚ ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ማኅበራትን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ማኅበራትን ምንቅስቓሳትን ከምዘለዉን ሕይወቶም ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ኣንቢሮም ንብጻዮም ከገልግሉ ዝተዓጥቁ ወንጌል በመሠረቱ ዝነብሩ ናይቲ ዘይጽበ ብነጻ ገዛእ ርእሱ ናይ ዝኅብ ውፉይ መለኮታዊ ፍቕሪ ነጸብራቕ ኮይኖም ዝነብሩ ብዙሓት ኣለዉ።

ኣብ ሓቅን ናይ ሓቅን ፍቅሪ ከምዘሎ ድማ ኣስዒቦም ብምግላጽ፣ እምነትን ባህልን ናይ ዘራኽብ ኣብ ፍቕሪ ዝቖመ ፍልጠት ከምዘሎ ዝምስክሩ ኣለዉ ኢሎም፣ ፍራንቸስካውያንን ዶመኒካውያንን ከምቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ዝተፈላለያ መንበረ ጥበባት ዝመስከርዎ ኣብ ፍቕሪ ዝቖመ ፍልጠት ሎሚ እውን ዝተፈላለያ መናብርተ ጥበብ ብብርሃን ወንጌል ዝተመረሔ ልዑል ፍልጠትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ባህልታት ምክብባርን ሰላማዊ ብሓባር ምንባርን ብዛዕባ መሠረታውያን ሕቶታት ፍጥረት ሰብን ብዕምቐት ብብርሃን ወንጌል ተመሪሔን ክድህስሳን ከስተምህራን ኣነቓቒሑ ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ መወዳእታ ኣስተምህሮኦም ቡራኬ ሂቦም ነቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣሰባበቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.