2010-01-12 14:17:41

ድሕሪ ኮፐን ሃገን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ወፈራ


ድሕሪ እቲ ኣብ ኮፐን ሃገን ንምቁጽጻርን ንምጉዳልን ብከላ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ንምኽባር ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝነቓቕሕ ዝተፈላለዩ RealAudioMP3 ወፈራታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዓለም ብኢደ ሰብ ዝኽሰት ምዝባዕ ስነ ምኅዳርን ምጥፋእ ሓምላይ መሬትን፣ ጫካን ብዛዕባ ሓደሽቲ ንናይ ከባቢ ጠፈጥሮ ኣየር ዝይብክሉ ቴክኖሎጂ ተበጽሖታትን ዝምልከት ሓለዋ ክንክን ጥዕናን ምጉዳል ብከላን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዘማእከለ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዝምልከት ማኅበር ዝወጠኖ መደብ ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ንናይ ክንክን ጥዕና ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝሓልዩ ናይ ልምዓት መደባት ክድግፍ ምዃኑን ተገሊጹ።

ኣብቲ ናይ ተፈጥሮ ናይ ሓምላይ ሃብቲ ዝባደመሉ ከባቢ ዝካይድ ዳግማይ ተኸላ ሃብቲ ሓምላይ ንናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ዓቢ ደገፍ ምዃኑ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ቤት ጽሕፈት እንከመልክት ቁጠባ ጽዓት ዘተባብዕን ንናይ ንሓምላይ ልምዓትን ሥነ ምኅዳርን ዝድግፍ ንጹሕ ቴክኖሎጂ ንምጥቃም ዘተባብዕ መደብ እውን ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግሥታት መገልጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.