2010-01-12 14:11:46

ዜጋታት፣ ዓሌታውነት ኮኒኖም


ኣብ ኢጣሊያ ኣውራጃ ረጆ ካላብሪያ ከተማ ሮሳርኖ ጸረ ስደተይናታት ሓቂኑ ዝተኸስተ ዓሌታውነት፣ ቤተ ክርስትያንን ሕዝቢ ከተማ ሮሳርኖን ስደተይናታት ከምዝተቓወምዎ ተገሊጹ። ስደተይናታት ብዘይ ፍቓድ ከም መዕቆቢ RealAudioMP3 ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾኑ ሕንጻታት እቶም ስደተይናታት ናብ ዝተፈላለዩ ኣብ ባርን ክሮተነን ናብ ዝርከቡ መዕቆቢ ስደተይናታት ድሕሪ ምዝዋሮም ክፈርሱ ከምዝተገብረን ተሓቢሩ።

ትማሊ ንጎሆ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ዓሌታውነትን ተመሳሳሊ ሓደጋ ዳግም እውን ከይክሰት ኣብ ፓልሚ ቤት ጽሕፈት ኅየንተ መንግሥቲ ኢጣሊያን ወከልቲ ሓይሊ ጸጥታን ብምዝታይ፣ እቲ ዓመጽ ንኽብገስ ዝደረኸ ናይቲ ከባቢ ናይ ገበን ጉጅለታት ውሳኔ ኢዩ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ንምጽራይ ኣኼባ ከምዘካየዱ ይንገር።

እቶም ስደተይናታት ኣብ ኣውራጃ ረጆ ካላብሪያ ኃይሊ ልምዓትን ዕዮን ክኾኑ እንከለዉ፣ ንናይታ ኣውራጃ ኤኮኖሚ ኣንቀሳቀስቲ ኢዮም እናተባህሉ፣ እዚ ዓይነት ዓሌታውነት ዓመጽ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝደረኸ ዕላማ እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኣብ’ዛ ኣውራጃ ናይቲ ቺዚል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማኅበር ሠራሕተይናታት ወኪል ኮዚሞ ፒሾነሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ እቶም ስደተይናታት ኣብ ናይ ረጆ ካላብሪያ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዝተዋፈሩ ኢዮም፣ ኣብ ዘራእትን ምህርቲ ኣብ ዝሕፈሰሉ እዋን ናይ ሥራሕ ውዕሊ ብዝፈቕዶ መሠረት ዝዓዩን፣ ገሊኣቶም ድማ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ክነሶም ብሕቡዕን ብዘይ ፍቓድን ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ዕዮ ሕርሻ ተዋፊሮም ንኽዓዩ ዝጥለቡ ኢዮም፣ ከድልየካ እትጥቀመሎም መጋበርያ እምበር ከም ሰብ ዘይረኣዩ ኮይኖም ጸኒሖም፣ ኣብ መዓልቲ ካብ ትሽዓተ ክሳብ ዓሠርተ ሰዓት ብዘይ ዕረፍቲ ክምዝመዙን ከምዝጸንሑን ዘይ ሕጋውያን ብምዃኖም ድማ ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ብምዃኖም፣ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተነፊግዎም ኵሉ እናጾሩ ዝጸንሑ ኢዮም። ወሃብቲ ሥራሕ ኣብ ዘቕርብሎም መዕቆቢ ብሓባር ዝነብሩን ካብ ማኅበራዊ ናብራ ተነጺሎምን ምስ ካልኦት ብዛዕባ ሽግሮም ከይማኸሩን ኮነ ተባሂሉ ርሒቖም ክነርቡ ዝተገዱን፣ ኣብ መዓልቲ ካብ ዕሥራ ክሳብ ዕሥራን ሓሙሽተን ኤውሮ እናተኸፍሉ ጉልበቶም ዝምዝመዙ ከምዝኾኑን ኣረዲኦም፣ መብዛሕቲኦም ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረቡን ገና መልሲ ዝጽበዩ ኢዮም። ክሳብ ተፈላጥነት ረኺቦም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ማኅበር ሠራሕተይናታት ዝገብሮ ነገር ውሑድ ኢዩ፣ ወሃብቲ ሥራሕ ናይ ሠራሕተይናን ዝኽፈል ናይ ጡረታ ኣበል ከይኸፍሉ መታን ብዘይ ሕጊ ከሥርሑዎም ይመርጹ፣ ነዚ ዅሉ ሽግር ተቓሊዖም ዝነብሩ ኢዮም። እቲ እዞም ሠራሕተይናታት ዛካይድዎ ዕዮ ዜጋታት ኢጣሊያ ክፍጽምዎ ዘይደልዩ ኢዩ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ኣብ ሮሳርኖ ንዝተራእየ ተግባር ዓሌታውነት ዝቃወም ዜጋታት ኢጣሊያን ስደተያንታትን ዝተሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ እንክንገር፣ ኣብ ከተማ ሮዛርኖ ዝተርአየ ኩነት ስደተይና ኣብ ኢጣሊያ ዓሌታውነት ዝንባሌ ከምዘሎ ዘምልክት ምዃኑ ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሃን እንከመልክታ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ማሮኒ እዚ ዓይነት ጸገም ንምድራት ብዘይ ሕጊ ሠራሕተይና ምቝጻር ክውገድ ኣለዎ እንክብሉ፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ምሕረት ግብረ ሰናይ ማኅበር ብዛዕባ ናይ ስደተይና ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ወኪል ሌዮናርዶ ሳኮ እቶም ኣብ ሮዛርኖ ዝርከቡ ናይቲ ጸረ ስደተይና ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑ መብዛሕቲኦም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ናይ መንበሪ ፍቓድ እንከለአዎም ብዘይ ሕጊ ክሠርሑ ምግዳዶም ኢዩ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ መልኣከ እግዚኣብሔር ጸሎት ምድጋሞም ብዛዕባ ኣብ ሮሳርኖ ተኸሲቱ ዘሎ ጸረ ስደተይናታት ዓመጽ ኣመልኪቶም፣ ስደተይና ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ይምጻእ ዝተፈለየ ባህሊ እውን ይሃልዎ ፍጡር ሰብ ኢዩ፣ ከም ማንም ሰብ ምሉእ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበረሉ ዘለዎ ክፍሊ ኅብረተ ሰብ ኢዩ። ዓመጽ ፈጺሙ ናይ ሽግር መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ከምዝበሉ ይዝከር።

በቲ በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ንናይ ክርስትያን ሓደነት ዓሚቱ ዝግበር ናይ ጸሎት መደብ መሠረት፣ ኣብ ኢጣልያ ነቶም ንዝተፈላለዩ ስቓይን ሓደጋን ተቓሊዕም ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናን ዘማእከል ከምዝኸውን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያን ናይ ኢጣሊያ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ፈደራሽን ሊቀ መንበር ዶመኒኮ ማሰሊን ኣብ ኢጣልያ ናይ ሓድነት ፓትሪያርክ ቅዱሳን ኦርቶዶክሳውያን ርእሰ ሰበኻታት መንፈሳዊ መራሒ መጥሮፖሊ ጌናዲዮስ ብሓባር ኣብ ዝወጽኦ መገልጺ ተመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.