2010-01-09 13:00:36

ቱኒዝያ፣ ቤተ መዝገብ ናይ ልኡካነ ኣፍሪቃ ማኅበር


ኣብ ቱኒዝ ዝርከብ ናይቲ ብፓድሪ ቢያንኪ ዝፈለጥ ናይ ኣፍሪቃ ልኡካን ማኅበር ናይ ስነ ዓረብ ባህሊ ተቓም ቤተ መዝገብ ናይ ሓዊ ባርዕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞን ናይቲ ቤተ መዝገብ ሓላፊ 54 ዓመት ዝዕድሜኦም ኢጣሊያዊ ካህን RealAudioMP3 ኣባ ጃንባቲስታ ማፊ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

እዚ ኢብላ ብዝብል ኣሕጸሮተ ቃል ዝፍለጥ ናይ ፓድሪ ቢያንኪ ናይ ስነ ዓረብ ባህሊ ተቛም ቤተ መዝገብ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዓቢ ደገፍን መሠረትን ከምዝኾነን እንክንገር ኃይሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ሓዊ ምቅጻል ሓደጋ ንምቁጽጻርን ንምውጋድን ከምእተዋፈሩ ተገሊጹ። ናይ ቱኒዝ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ናይ’ቲ ናይ ሓዊ ሓደጋ መንቀሊ ንምልላይ ተዋፊሩ ምርመራ የካይድ ከምዘመሎን ተሓቢሩ። ኣቲ ዝወረደ ናይ ሓውን ናይ ኣባ ማፊ ሞት ሓደጋን ነቲ ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ከተባብዕ ከምዝኾነ ኣባል ናይ ፓድሪ ቢያንኪ ማኅበር ቀዳማይ ኣማኻሪ ኣባ ሪቻርድ ባኣዎብር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ ተስፋ ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.