2010-01-09 12:55:52

ቅዱስ ኣቦና፦ መሰኻኽር እምነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ኣዳራሽ ክለመንቲና ከምቲ በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ናይ ፈረጂ ዝፍጸም ኣብ ከባቢ ከተማ ቫቲካን ጸጥታን ሓለዋን ዘኽብሩ ናይ ኢጣሊያ ወተሃደራዊ ፖሊስ RealAudioMP3 ኣባላትን ኣዘዝቶምን ተቐቢሎም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም ትማሊ ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ደህንነትን ዝቆጻጸር ፍሊዩ ናይ ጸጥታ ኣባላትን ሓለፍቶምን ተቐቢሉም ንዝፍጽምዎን ዝህብዎን ኣገልግሎት ከምዘመስገኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መገልጺ የረጋገጽ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ፖሊስ ኣባላትን ኣዘዝቶምን ተቐቢሎም፣ ናይ ኢጣሊያ ናይ ጸጥታን ደህንነትን ኣባላት ኣብ ከባቢ ቅዱስ ጴጥሮስን ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጸሙ መንፈሳውያን መደባት ከይሰናኸሉን ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ክሳለሙን ምስ ተኸታሊ ጴጥሮስ ክራኸቡን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ከተማ ቫቲካን ዝመጹን ዝውሕዙ ምእመናንን ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ንዝገብሩ መራሕቲ ሃገራትን ሰበ ሥልጣናትን ጸጥታን ደህንነትን ክሕልዉን መደባቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ከይተዓናቐፍ ከይሰልከዩ ዘገልግሉ ምዃኖም ብምጥቃስ ኣመስጊኖምን ነቲ ማእከል ክርስትና ክበጽሑን እምነቶም ከስተማቕሩን ክምስክሩን ትሩፋት ቅዱሳት ክሳለሙን መቓብር ርእሳነ ሊቃነ ጳጳሳት ክበጽሑን ዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት ዕዉት ክኸውን ሓይሊ ጸጥታ ዘበርክተዎ ኣገልግሎት ንእግዚኣብሔርን ንሰብን ከምዝኾነን ካብ እምነት ዝፍልፍል ኣገልግሎት እውን ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ እትህብዎ ኣገልግሎት እምነትኩም ክትነብሩን ተልእኾዅም ካብ እምነት ብዝፍልፍል ኃይሊ ደጊፍኩም ኣብ ኵሉ መዳይ ኣብ ስድራ ቤትኩም እውን ናይቲ ዘይፈርሕ ጽኑዕ እምነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሰኻኽር ኵኑ ቢሎም ኣብ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣግዚእብሔር ወትሩ ክድግፎም ድማ ተመኒዮም ቡራኬ ሂቦም ከምዘፋነዉዎም ተረጋጊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.