2010-01-09 12:58:58

ሱዳን፣ ምስሕሓብን ዓመጽን


ኣብ ዝቕጽሉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ዓመጽን ግጭትን ክስፋሕፋሕ ከምዝኽእል ቅድም ክብል ኣብዛ ሃገር ዝርከባ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ክገልጻ ከምዝጸንሓ ክፍለጥ ኣንከሎ፣ ኣጽዋር ዝተዓጥቁ ናይ ኑኤር ዓሌት ኣባላት RealAudioMP3 ኣብ ልዕሊ 139 ናይ ትስሪቡ ዓሌት ኣባላት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘውረዱ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ናይ ፈለማ ኅብረ ዓሌት ምርጫን ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ድማ ደቡብ ሱዳን ናጻ ሃገር ክትኸውን ወይ ድማ ክፍሊ ሱዳን ኮይኑ ክትተርፍ ብውሳኔ ሕዝቢ ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብል መደብ ምኽንያት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብዛ ሃገር ግጭትን ዓመጽን ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ኢዩ ዝንገር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተቐስቀሰ ግጭትን ዓመጽን 2500 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ክምዝወርዶምን 350 ሺሕ ድማ ከምእተመዛበሉ ዝዝከር ኢዩ። ኮምቢናዊ ናይቲ ማኅበር ኒግሪዚያ እተሰምየት መጽሔት ኣመሓዳሪ ኣባ ፍራንኮ ሞረቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሱዳን ክታም ዝተነበረሉ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ከምጽእ ኢዩ ተባሂሉ ዝተነግረሉ ኢዩ ኔሩ ማለት ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ከረጋገጽ ኢዩ ተባሂሉን ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ድማ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ውሳኔ ሕዝቢ መልሲ ክህበሉ ተሓንጺጹ ዘሎ መደብ ሰላም ከምጽእ ኢዩ ዝብል ግምት እውን እንተተነበርሉ በዚ ዝረኣይ ዘሎ ዓመጽ ግን ኣብ ሕቶ ክኣቱ ገይሩዎ ኣሎ፣ ኣብ ሰሜን ኡጋንዳ ንልዕሊ 20 ዓመት ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ዘካይድ ብጆሴፍ ኮንይ ዝምራሕ ብናይ ካርቱም መንግሥቲ ዝድገፍ ናይ ጎይታ ሠራዊት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ሓይሊ ኣባላት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝወሓዙን ኣብዚ ከባቢ ራዕድን ፍርሕን ይዘርኡ ከምዘለዉ ኣባ ሞሬቲ ሓቢሮም፣ ብጹዓን ጳጳሳት ሱዳን ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ሁከትን ዓመጽን ገና ከምዘይተወገደን ሕዝቢ ኣብ ዓቢይ ሽግር ከምዝርከብ ብዙሕ ጊዜ ከምዘተሓሳስቡን እቲ መጽሔት ኒግሪዚያ እውን ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ እንክንብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.