Home Archivio
2010-01-09 13:02:39
ሰበኻ ሆንግ ኮንግ
ኣብ ሆንግ ኮንግ ካብ ዕለት 5 ጥሪ ክሳብ ዕለት 7 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ፈ. “ካብ ምልላይ መንነት ደቀ መዝሙር ናይ ካህን ተራ ይልለ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ንናይ ካህናት ሕንጸት ዝሃቀነ ጉባኤ ከምእተኻየደ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብዚ ዝተኻየደ ናይ ሕንጸት ጉባኤ ልዕሊ 90 ካህናት ከምእተሳተፉን ብናይ ሆንግ ኮንግ ጠቕላሊ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ብጹዕ ኣቡነ ሚካኤል የውንግ ሚንግ ቸውንግ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተኸፈተን ኣባላት ማኅበር ሳሊዛውያን ኣባ ሳቪዮ ሆንን ናይ ሆንግ ኮንግ ቤት ትምህርቲ ዘረኣ ክህነት ሓለቓ ኣባ ላውረንስ ዩው ሹን ኪትን ነቲ ናይ ሕንጸት ጉባኤ ዘነቓቕሑ ናይ ሆንግ ኮንግ ናይ ፍልፍናን ቲዮሎጊያን መንበረ ጥበብ ኣመሓዳሪ ኣባ ዊሊያም ዪፕ፣ ብምኽንያት ዓመት ካህናት፣ ካህናትን ሚስጢረ ቅዱስ ቁርባንን ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.