2010-01-09 12:57:54

ማለዢያ፣ ጸረ ቤተ ክርስትያን ዝኣመተ መጥቃዕቲ


ቅድሚ ትማሊ ለይቲ ኣብታ ብዙሃን ኣመትኒ ምስልምና ዜጋታት ዝነብሩላ ሃገረ ማለዢያ ከተማ ኩአላ ሉምፑር ጸረ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓቀነ መጥቃዕቲ ከምዝወረደ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሰልሰተ ናይ ካቶሊክ ቤተ RealAudioMP3 ክርስትያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከይስፋሕፋሕ ሰላማዊ መነባብሮ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከይተዓናቕፍ እዚ ውጥረት ብሕጹጽ ክግታእ ጻውዒት ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተፈጸመ ጸረ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መጥቃዕቲ ናይ ካቶሊክ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣላህ ዝብል ቃል ናይ ምጥቃም መሰልን ፍቓድን ክኽበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማለዢያ ዝሃቦ ውሳኔ ዝቃወም ምልክት ምኻኑ ክሕበር እንከሎ፣ ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃይማኖታዊ ግጭት ከይስፋሕፋሕ መንግሥቲ ዘግሃዶ ስግስኣት ኣቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ውሳኔ ብምስሓብ ንጊዚኡ ከምዝሰረዞ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። ብቋብቋ ማላይ ስም እግዚኣብሔር ሃላህ ብዝብል ቃል ዝግለጽ ከምዝኾነን፣ ኣብዛ ሃገር ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ነዚ ኣላህ ዝብል ስም ኣይትጠቀም ምባሉ ጌጋ ኢዩ፣ ስለዚህ ካልኦት ሃይማኖታት እግዚኣብሔር ዝብል ቃል ብከመይ ክገልጽኦ ከምዝድለ ዝገርም ምዃኑን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ናይ ኣሕዛብ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ሮበርት ሳራህ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ክርስትና ኣብ እግዚኣብሔር ዘለዎ እምነት ከይገልጽ ከምዘየለዉ ንኽመስሉን ዘይፍሉጣት ኮይኖም ክነብሩ ዝደሊ መጥቃዕትን ውሳኔን ኢዩ ኢሎም፣ ስም እግዚኣብሔር ንኸይጥቀሙ ምኽልካል ማለት ኣረመን ሰብ ዘይእምነት ኢዮም ንምባልን፣ እዚ ድማ ናብ ምስልምና ሃይማኖት ክኣትዉን ምስልምና ክቕበሉን ንምድራኽ ዝሃቀነ መደብ ኢዩ ምስ በሉ፣ ነቶም ኣብ ብዙሃን ዜጋታት ምስልምና ዝርከብወን ሃገራት ዝነብሩ ውሁዳን ክርስትያን ዜጋታት ምጽላይ የድሊ ኢሎም።

ናይ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመሓዳሪ ኣባ ቤርናርዶ ቸርቨለራ ኣላህ ዝብል ቃል ንምጥቃም ናይ ግድን ኣስላም ክትኸውን ኣለካ ዝብል ውሳኔ ኢዩ ዝመስል። ክርስትና ነዚ ቃል እንተድኣ ተጠቂሙ ናይ ሃይማኖት ምድንጋራት ከምጽእ ኢዩ ዝብል መርትዖ ዘይብሉ ምኽንያት ተጠቂምካ ኣላህ ዝብል ቃል ከይጥቀሙ ምኽልካል ብመሠረቱ ጌጋ ኢዩ፣ ብቋንቋ ማላይ እግዚኣብሄር ንዝብል ቃል ካልእ መጸዎዒ ስም የብሉን፣ ኣላህ ብዝብል ቃል ኢዩ ዝግለጽ፣ ቤተ ክርስትያን ማለዢያ ነዚ ሓቂ እዚ ክትግለጽ ጸኒሓ ኢያ፣ ብዙሓት ኣባላት መንግሥቲ ነቲ ሕዝባዊ ምንቅስቃስ ክኽብሩን በዚ ተመሪሖም ድማ ብተራኦም እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ወድቂ ክኸውን ጸቕጢ ገይሮም ኢዮም፣ ኣብ ዓረብ ሃገራት ዝርከቡ ክርስትያን ዜጋታት ስም እግዚኣብሔር በቛንቆኦም ኣላህ ቢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ፣ ኣላህ ናይ እስላም እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ቢልካ ምሕሳብ ዓቢ ጌጋ ምዃኑ ድማ ተንቲኖም፣ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈለማ ዝተሓላለፎ ውሳኔ መሊሱ ገቢራዊነቱ ዘረጋግጽ ውሳኔ ክህበሉ ተስፋ እግበር ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.