2010-01-05 14:25:44

ካብ ምብካንን ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ምእካብ ባህሊ ምጥንቃቕ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስነ ኅብረተሰብ ሊቅ ኣብ ቶሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ መምህር ፍራንኮ ጋረሊ ብዛዕባ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅልውላውን ምብካንን RealAudioMP3 ካብ ዘድሊ ንላዒ ምእካብን ሓርጎፍጎፍ ምባልን ኣብ እዋናዊ ማኅበረሰብ ብሕልፊ ድማ ኣብተን ዝማዕበላ ሓገራት ዝርኤ ልማድ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ንኣብነት ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብ መዓልቲ ካብ 180 ቶን ንላዕሊ ዝግመት ሕብስቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝጎሓፍን፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ልማድ ብሓቂ ክውገድ ኣለዎ፣ ዘድልይካን ዘየድልየካን ናይ ምፍላጥ ውሽጣውን ስነ ኣእምሮኣዊ ሚዛን ብሓቂ ይመዛበል ኣሎ። ብዙሓት ቤት መሸጣ ክዳውንቲ ኮነ ናይ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ቤት መሸጣ ዋጋ ናይ ምጉዳል ወፈራ የካይዳ ብዙሓት የድልዮም ኣየድልዮም ዋጋ ጎዲሉ ኢዩ ኢሎም ክዕድጉን ሸበድበድ ክብሉን ኣብ ኣፈት ቤት መሸጣታት ተራ ክጽበዩን ትርኢ፣ እቲ ክሕሰብ ዘለዎ ከየባኸንካን ዝያዳ ከይጠመትካን ብዓቐን ከመይ ቢልካ ምንባር ይከኣል ዝብል ጉዳይ ኢዩ፣ እዚ እናተስፋሕፍሔ ዘሎ ሓድሽ ዝያዳ ምእካብ ጥራሕ ዝሓስብ ናይ ምብኻን ባህሊ እንተዘይተገቲኡ፣ ብዙሕ ጸገም ከስዕብ ኢዩ፣ ድሮ የስዕብ እውን ኣሎ፣ ዝተመዓራረየን ዓቐኑ ዝፈልጥን ዘኽብርን ብመሠረቱ ዘድልየካ ሒዝካ ምንባር ምልምማድ የድሊ፣ ዝቕባበ ዘስዕብ ጎዳኢ ባህሊ ጠሪሹ ክውገድ ኣለዎ።

ስለዚ እዚ ዝያዳ ምእካብ ዝፈቱ ሓድሽ ወለዶ ብዓቀን ምንባር ክመሃር ኣለዎ፣ ኩሉ የድልየኒ ኢዩ ኣንተድኣ ኢልካ ኣቲ ዘየድልየካ እውን ከድልየካ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሰብኣውን ማሕበራውን ጉዳይ ዓቢ ሓደጋ ኢዩ፣ እዚ ድማ ምትሕስሳብ ምክብባር ዘለዎ ንዘይብሉ ኢዱ ናይ ምዝርጋሕ ናይ ምትሕብባር ባህሊ ዝጻረር ልምዲ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ዝርኤ ናይ ምብኻንን ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ኣብ ምእካብ ዝጓየ ባህሊ ሃርጎፍጎፍ ክውገድ ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.