2010-01-05 19:24:28

ንደቂ ሰባት ዝግባእ ዓለም ንምህናጽ መንገዲ ዓመጽ ብምሕራም ጥራይ እዩ: 02.01.10


ብጎርጎሳዊ ባሕረ ሓሳብ ትማል ርእሰ ዓመት 2010 ዓ.ም ከምኡ እውን ብላቲናዊ ሥርዓት በዓለ ልደታ ለማርያም ብምንባሩ ቅዱስ ኣቦና በዅሪ ጉባኤ አስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር አቅሪቦም።

እዚ ዕለት እዚ ዓለም ለኻዊ ናይ ሰላም ዕለት ብምዃኑ “ብዝኾነ ምኽንያት ብረት ዓጢቆም ዘለው ናይ ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ካብ ምቅታል ምብስባስን ግህሰት መሰል ደቂ ሰባትን ክቍጠቡ ደው በሉ ሕሰቡ መንገዲ ዓመጽ ተሓረሙ” እንክብሉ አበርቲዖም ተማሕጺኖም።

ኣብ ስብከት መሥዋዕተ ቅዳሴ ይኹን ኣብ አስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብምረት ዝገለጽዎ ከአ “ኣብ ልዕሊ ንባዕሎም ክከላኸሉ ዘይክእሉ ሕፃናትን ዝከላኸል ዘይብለን አደታትን ውጹዕ ሕዝብን ዝወርድ ግፍዒ እንክትርኢ ኩሉ እቲ ንውግእ ምኽኑይ ዝገብር ሥነ መጐት ዓነውነው ክብል ትርእዮ፣” ስለዚ ከአ እዩ ኩሉ ዓመጽ ይተአገድ ደው ይበል ዝበሉ።

ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል “ናይቶም አደዳ ሞትን መቍሰልትን ብምዃን ዕለታዊ ተርእዩ መራኸቢ ብዙሓን ኮይኖም ዚቀርቡ ሕፃናት ዝቆሰለ ውጅሂ ገጽ እንክትርኢ ደቂ ሰባት ንጠመንጃ ደርቢዮም ናብ ሰላም ክምለሱ ክትጠልብ ትግደድ፣ እዚ ወጅሂ እዚ መግለጺ ናይ ክብሪ ሰብ ክነሱ ደምዩን ቈሲሉን ጸምልዩን ናይ ሥቃይ ገጽታ ኮይኑ አሎ፣ እዚ ወጅሂ/ገጽ እዚ ነጸብራቅ ልቢ ኮይኑ ስምዒታት ሓሳባትን ሃረርታ ልብን ዝግለጸሉ ገጽ ንጹሓት ሕጻናት እዩ፣ እግዚአብሔር ብባህርዩ ዝርኤ አይኮነን ቅዱስ መጽሓፍ ግን ብአምሳሉን ብመልክዑን ከምዝተፈጠርና ስለዚገልጽ እዚ ብሥቃይን መከራን ተዳሂሉ መሃነኑ ጠፊኡ ዘሎ ወጅሂ እዚ ነጸብራቅ ገጽ እግዚአብሔር ምዃኑ እውን ክዝንጋዕ የብሉን። ገጽ ምርአይ ናይ ጽቡቅ ምምናይ ምፍታው ምልክት እንክኾን ገጽ ምሕባእ ከአ ናይ ቍጥዓን ምጽያፍን ምልክት እዩ። እዚ ወጅሂ እዚ እቲ ክርስቶስ ኣብ ምልአት ጊዜ ብአኡ ክግለጸልና ዝለበሶ ገጽ እዩ፣ ንአኡ ብምርአይ ነቦ ክንርኢ ዝተዋህበ ገጽ፣ ንገጽ መድኃኒ ንመጀመርያ ጊዜ ክትርኢ ዝበቅዔት ማርያም እያ። አደ ምስ ውሉዳ ፍሉይ ዝምድና አለዋ፣ ብሕልፊ ከአ ሓዲሽ ዕሸል ውላዳ እንክትርኢ፣ እቲ ዕሸል እውን ንመጀመርያ ዝርእዮ ገጽ ወላዲቱ እዩ፣ እዚ ምጥምማት እዚ ኣብቲ ዚስዕብ ህይወት እቲ ህጻን ማለት ንብሕቱ ኣብ ዝነብረሉ ይኹን ምስ ካልኦት ከምኡእውን ምስ እግዚአብሔር ወሳኒ እዩ፣ ከመይ ናይ ሰላም ውሉድ ኪኸውን አለው። ነዚ ኣብ መንጎ ወላዲትን ኢየሱስን ዘሎ ምጥምማት ብልማድ ቢዛንታዊ ስእሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብምዝካር ነጸብራቅ ናይቲ ዝዕዘብ ዝጽሊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ሥጋአ ዝለበሰ ክርስቶስ ህድአትን ሰላምን ዝመልኦ እዩ። ወጅሂ ደቂ ሰባት ከስ ነዚ እዩ ከንጸባርቅ ዘለዎ፣ ሰላምን ቅሳነትን ምትእምማንን ዘንጸባርቅ ገጽን ቈላሕታን የድሊ” እንክብሉ ዘሎናዮ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ገለጹ።

ሕጂ እውን እንተኾነ ነዚ ክንልውጦ ከም እንኽእል እንክገልጹ፣ “ገጽታ ወይ ቈላሕታ ሰላም ካብ ብኽብሪ ምጥምማት ይጅምር፣ ንሓደ ሰብ ዓሌቱን ሕብሪ ቈርበቱን ዜግነቱን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ ብአኽብሮት እንተደአ ጠሚትካዮ ኣብ ኽብሪ ቅሳነት ሰላም የንጸባርቅ፣ ብሓቂ ከአ ኣብ ልብና ፍቅሪ እግዚአብሔር እንተ አለዩና ጥራሕ እዩ ንብጻይና ከም መጋበሪ ዘይኮነ ከም ዕላማ ከም ጸላእን ተቀናቃንን ዘይኮነ ከም ርእስና ብምርአይ ገጽ እግዚአብሔር ኣባኡ ክንርኢ ንኽእል። ባዶ ልብና እንተኮዀና ሓንቲ ኣይስምዓናን፣ ኣብ ልብና ኣምላኽ እንተደአ አልዩ ግን ኣብ ከባቢና ንዘሎ ከነስተብህለሉ ኢና፣ ንፍጡር ዘበለ ኩሉ ብሕልፊ ከአ ንደቂ ሰባት ክንጥምቶም ከሎና ዘንጸባርቅዎ ነገራት አሎ፣ ወላውን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተና ሕይወትን ሕሰምን እቲ ወጅሂ ገጽ እግዚአብሔር እዩ፣” እንክብሉ ኣብዚ ጊዜ ልደትን ሓዲስ ዓመትን ንሰላምን ፍቅርን ክንተግህ ብምዕዳም ንውግእን አጽዋራን ሳዕቤናቱን ኰኒኖም፣ ብኅልፊ ግዳይ ናይዚ ብምዃን ሓገስን ፍሽኽታን ፍቅርን ካብ ግጾም ንዝተነፍጉ ንጹሓት ሕጻናትን አደታቶምን አመልኪቶም ከምዚ ቢሎም። “ ወጅሂ ሕጻናት ነጸብራቅ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ኢዮ፣ ስለምንታይ ብርሃን ፍሽኽታኦም ነጸልምቶ፣ ስልምንታይ ልቦም ንምርዞ፣ እዚ ትርኢት ዝተደወነ ወጅሂ ናይዞም ንጹሓት ሕጻናትን አደታቶምን ነቲ ኢየሱስ ሕጻን ሐቍፋ ዘላ ጸግዒ ድኹማት ዝኮነት ኪዳነ ምሕረት እተርእዮ ጽንዓት ይጻረር፣ በዚ ከአ ውግእ ብዝኾነ ይኹን ምኽኑይን ቅቡልን ኪኸውን ኣይክእልን” ቢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.