2010-01-05 14:28:09

ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ሮዋን ዊሊያምስ ምልእኽቲ


ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያምስ ብምኽንያት በዓለ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ወይ ድማ ናይ ብጻይና ስቓይ ናይ ኩሉ RealAudioMP3 ሰብኣዊ ስቓይ ኢዩ ብዝብል ኣርእስቲ ብቐጥታ ብቢቢሲ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንህውዊ ኩነታት ኤኮኖምን ፖለቲካውን ማኅበራውን ጉዳይ ዓለም ዳህሲሶም ኣኽራርነት ወይ ድማ ጸረ እምነትን እግዚኣብሔርን ውግእን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ከባብን ዘወርድ ሓደጋን ኩሉ ብምጥቃስ፣ እቲ ብኢደ ሰብ ዝወርድ ዘበለ ሓደጋ ክውገድ ኣተሓሳሲቦም። ጭካኔን ዓመጽን ጽልእን ምስሕሓብን ሌላን ጉሌላን ዓሌታውነትን ዝኣመሰሉ ጸገማት ዘይረኣየሉ ዓለም ምቛም ዝከኣል ኢዩ ኢሎም።

ብዙሓት ሃገራት ካብ ዓለምና ጥምየትን ድኽነትን ንምውጋድ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸ መደብ ምዕባለ ከቲመናሉ ከብቅዓ ኣብ ምኽባሩ ደንጎይቲ ኮይነን ከምዝረኣያን፣ ቀደም ጸገም ወይ ድማ ጉዳይ ከባቢ ኢዩ ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ በቲ ዘሎ ዓለማውነት ምትእስሳር ተቐይሩ፣ ብሔራዊ ሓቆፍ ዝበልካዮ ዓለም ሓቆፍ ተንከፍ ኮይኑ ይርከብ፣ በቢ ዓመቱ ሓሙሽተ ሚሊዮን ሕጻናት ገና ሓምሻይ ዓመት ዕድሜኦም ክየፍቀዱ ብሕማምን ብጥምየትን ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግብን ዓመጻትን ንሞት ሓደጋ ከምዝቃልዑን ዘኪሮም፣ ኩሉ ኃላፍነቱ ተኣሚኑ፣ በታ ዘላቶ ተራ ኣብ ዘዘለዎን ዝዋፈረሉ ዕዮን ናይ ሓቅን ሰላምን ዕርቅን ምትሕስሳብን ምክብባርን መሣርሒ ኮይኑ ክርከብ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምኽባር መሠረት ምዕባለ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ከምቲ ካልኦት ንዓና ክገብሩልና እንደልዮን ከምቲ ኣብ ልዕሌና እንገብሮን ንኻልኦት እናገበርናን ናይ ምትሕስሳብ ባህሊ ኣብ ምስፍሕፋሕ ንትጋሕ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጺ።








All the contents on this site are copyrighted ©.