2010-01-02 16:37:57

ልቢ ሰብ ንእግዚአብሔር ክፉት ክኸውን ክኸውን ይግባእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፡


ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እንቋዕ ንሕዲሽ ዓመት 2010 ብሰላም አሰጋጋገረኩም ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ራሕዋን ክአ ንምነየልኩም እዚ ትከታተልዎ ዘለኹም ራድዮ ቫቲካን መደብ ትግርኛ ኢዩ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ትማሊ ለይቲ ዓመተ ምህረት 2009 ተዛዚሙ ሐዲሽ ዓመት 2010 አብ ዝአተወሉን አብ ርእሲ’ዚ ባሕቲ ጥሪ ብሊጡርጊያ ላቲን ልደታ ማርያም ስለዝኾነ ዋዜማ እግዚእትነ ማርያም ወላዲተ አምላኽ ምስቶም አብ ካተድራል ቅዱስ ጵጥሮስ ዝተአከቡ ምእመናን ደጊሞም ስግደተ-ቅዱስ ቁርባን ክአ ፈጺሞም ።ብድሕሪኡ ክአ ተ-ደኡም ማለት ምስጋና ንእግዚአብሔር አብጺሖም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በዚ አጋጣሚ”ዚ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ተግባር ወዲ ሰብ ዝለወጥ ልቡ ንእግዚአብሔር ከሃሌ ኩሉ እንኸፊቱ ፡ ጥራሕ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ቀጺሎም ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ጥቃ አብ ሽግር ዝርከቡ ስድራ ቤታትን ድኻታን ከም ዝኾነት አረዲኦም።

ብድሕሪ”ኡ ክአ አብቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝርከብ Presepe ማለት አብ ቤተ ልሄም ምውላድ ኢየሱስ ሕጻን ዘንጸባርቅ ምስሊ ከይዶም ስርዓተ ጸሎት ደጊሞም ። ልደተ ክርስቶስ ተምሳል ብርሃንን ሐጎስን ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ 2009 ናብ 2010 ብሰላም ዘብጽሐና እግዚአብሔር ይምስገን ሕይወት ወዲ ሰብ አብኡ ዝተመርኮሰ ብኡ ዝተዋህበ ነብሲ ወዲ ሰብ ዝድሕን ክአ ቡኡ አቢሉ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ናይ ከተማ ሮማ ጳጳስ ከም ዝኾኑ ክዝከር ከሎ ክአ ቤተክርስትያን ብመንፈስ አብ ጥቃ”ቶም አብ ሰበኻ ሮማ አብ ሽግር ዝርከቡ ሰባት ከም ዝኾነት ምእንትኦም ከም ትጽሊን አመልኪቶም ሰበኻ ሮማ እተካይዶ ሓዋርያዊ ሙያን ምእንቲ ምሉእ ምዕባሌ ሰብ እተካይዶ ጸዓትን አመሲጊኖም።

አብ ሰበኻ ሮማ ብዙሐት ስድራ ቤታትን ቅምስናታትን ተቅዋማት ቤተክርስትያንን መጻኢ ዕድል መንእሰያት ምእንቲ ጽቡቅ ክኸውን አብ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተመስረተ ዝህብዎ ትምህርቲ ዝንአድ ከም ዝኾነ ከም ዝዘከሩ ክአ ይምልከት።

ቤተክርስትያን ብስራሕ አልቦነት ምስ ዝሳቀዩ ስድራ ቤታት ከም ትተሐባበር ሽግሮም ንምቅላል ብዘለዋ ዓቅምን ክእለትን ከም ትሰርሕ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘገንዘቡ ይፍለጥ።

እቲ ምእንቲ ድሕነት ወዲ ሰብ ሰማያዊ ሰማያት ዝወረደ ክርስቶስ ንኹሉ አብ ሽግር ዝርከብ ወዲ አዳም ክሕግዝ ክረድእ ናብኡ ጸሎት ከም ዘዕርጉ ተገሊጹ።

እቲ ዝሐለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ዝተአወጀ ዓመተ ካህን ዘኪሮም ክአ ሕይወት ካህን አብ ምብሳር ቅዱስ ወንጌል አብ ምጉሳይ ነብሳት መሠረተ ዓላማ ከም ዘለዎ ጠቂሶም ጸዋዕታ ክህነት ክዕንብብ







All the contents on this site are copyrighted ©.