2009-12-31 17:05:20

ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ንዝተዘናበሉ ሰባት በጺሖም.


ዝሕለፈ ክልተ ጥቅምቲ አብ ደቡባዊ ኢጣልያ አብ ክሊ ሲቺልያ አብ አከባቢ ከተማ መሲና ብጥጠንቂ ብርቱዕ ዝናብ ስካለታ ዛንክለአን ጂያምፒልየሪን ዝተባህላ ሐውሲ ከተማ ብምልአት ማይ ከም ዝፈራረሳን ልዕሊ ሳላሳ ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑን ብዙሐት ከም ዝተዘናበሉን ክዝከር ከሎ፡ ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ቤተክርስትያን ጣልያን ናይ ሽግሮም ተኻፋሊት ከም ዝኾነትን ምስኦም ከም ትተሐባበርን ንምግላጽ ነቲ ብጭቃ ዝተዓብጠን ዝስራሕ ዘሎን ከባቢ ከም ዝበጽሑ ናይቲ ረኪበ ጳጳሳት መግለጺ አረዲኡ አሎ።

ቤተክርስትያን ኢጣልያ ነቶም ዝተዘነበሉ ሰባት ናይ ሐደ ሚልዮን ኤውሮ ህጹጽ ረዲኤት ከም ዝልአኸት መግለጺ ረኪበ ጳጳሳት ኢጣልያ አዘኻኺሩ።

ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ አብቲ ክሊ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ አብቲ አብ ከተማ ዛንክለአ ዝርከብ ካተድራል ምስ ናይ ከተማ መሲና ሊቀ ጳጳሳት ምስ ብፁዕ አቡነ ካሎጀሮ ላ ፒያና ሐቢሮም ብዝሐት ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ እቲ ረኪበ ጳጳሳት ኢጣልያ ዘውጽኦ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብ1908 አብ ከተማ መሲናን አከባብን መሬት ተናዊጹ ካብ ሚእቲ ሺሕ ዝበዝሕ ህዝቢ ሕይወቱ ከም ዝስአነ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ብምጥልቅላቅ ማይ አይሂ አብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ዝዓነወ አባይትን ዝተበላሸወ አውራ ጐደናታትን ብናይ ወረዳ ሰበ ስልጣናት ተሐጊዙ አብ ምህናጽ ከም ዝርከብ ዘመልከቱ ናይ መሲና ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ካሎጀሮ ላ ፒያና መንግስቲ ህጹጽን ጭብ ኡጥን ሐገዝ አየቅረበን ብማለት ህዝቢ ቅሬታ ከም ዘስምዕ አም አልኪቶም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.