2009-12-31 17:12:51

መልእኽተ ሐዘን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት.


አብ ጃፓን ናይ ርእሰ ከተማ ቶክዮ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሲሺ ሺራያና ትማሊ ንግሆ አብ መበል ሰማንያን ሐደን ዕድምኦም ከም ዝዓረፉ ካብ ቶክዮ ዝመጸ ዜናን አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጽን አፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሲሺ አብቲ አብ ቶክዮ ዝርከብ ሎጆላ ሃውስ ሽማግለታት ካህናት አባላት ማኅበር ኢየሱሳውያን ካህናት ዝናበይሉ ማእከል ተዓቂቦም ሕክምና ይግበረሎም ከም ዝነበረ እቶም ዜናታት አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሰሺ ምስ ፈለጡ ንናይ ቶክዮ ሊቀ ጳጳስ ንፁዕ አቡነ ታከኦ ኦካዳ ዝተሰምዖም ጥልቂ ሐዘን ዝገልጽ ተለግራም ከም ዝልአኹሎም እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ሲሺ አብ ጃፓን ናይ እምነት ምስክር ሰባኺ ቅዱስ ወንጌል ንሰላምን ፍትሕን ብርቱዕ ጻዕሪ ዘካየዱ መንፈሳዊ አቦ ከም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንናይ ቶክዮ ወቅታዊ ሊቀ ጳጳስ ንብፁዕ አቡነ ታከኦ ኦካዳ ዝልአኽዎ ናይ ሐዘን ተለግራም ከም ዘመልከተ እቲ መግለጺ አገንዚቡ ።

ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሲሺ ፍልስፍና ትምህርተ መለኮት ሕገ ቆኖና ቤተክርስትያን ዘጽንዑን ዝምሀሩን አብ ዕስራን ሽዱሽተን ዕድምኦም መዐርገ ክህነት ዝተቀበሉ አብ መበል አርባዓን ክልተን ናይ ቶክዮ ሊቀ ጳጳስ ዝተሰየሙ አብ ኤስያ ክፍለ ዓለም መሰል ንዑሳን ማኅበረ ሰባት ክርስትያን ክዕቀብ ብርቱዕ ጻዕሪ ዘካየዱ ካርዲናል ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ብ1600 ዓመተ ምሕረት ሰራዊት ጃፓን አብ ልዕሊ ህዝቢ ጃፓንን ቤተክርስትያንን ዝፈጸምዎ ግፍዒ አሕዚንዎም ንህዝባዊት ቺና ተጋዒዞም ይቅሬታ ከም ዝሐተቱ ይፍለጥ።

ዝሐለፈ ዓመት 2008 ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት ዕስራን አርባዕተን አብ ናጋሳኪ ብሰራዊት ጃፓን ምእንቲ እምነቶም ሰማዕታት ዝኾኑ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን ክርስትያን ስርዓተ ብፅዕና ከም ዝተፈጸመሎም ክዝከር ከሎ ፡ ንሳቶም መሠረት እምነተ ክርስትና ስለዝኾኑ አብነቶም ክንክተል ይግብአና ብማለት ብፁዕ ካርዲናል ሲሺ ከም ዝገለጹ ዝዝከር ኢዩ።

ብ1981 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሲሺ ብስም ቤተክርስትያን ጃፓን ብዝግበሩሎም ዕድመ መሠረት ጃፓን በጺሖም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ናይ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሲሺ ሥርዓተ ቀብሪ ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ አብ ቶክዮ ከም ዝፍጸም ሐቢሩ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ናይ ቶክዮ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ሰሺ ቅጽሪ ካርዲናላት ናብ 184 ክወርድ ከሎ ትሕቲ ሰማንያ ሚእትን ዓሰርተ ክልተን ናይ ምምርጽ መሰል ዘለዎም ሰብዓን ክልተን ክመርጹ ዘይክእሉ ከም ዝኸውን ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.