2009-12-31 17:11:30

ሊቃውንቲ ትምህርተ መለኮትን ካህናትን ኣብ ልዕሊ መዝገበ ሃይማኖት ነቲ ንጽል ሐቅታት ከይዘንግዑ ንኹሉ ጠሚርካ ብሓደ ክርእዎ አለዎም።


ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ኣብ ክልተ ነጥብታት ማለት መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ምሥጢራት ቤተ ክርስትያንን ብምትኳር “ሊቃውንቲ ትምህርተ መለኮት ንውርሻ መዝገበ እምነት ነቲ ንጽል ሓቅታት ከይዘንግዑ ውህደቱን ሓድነትን ክከላኸሉ፣ ሕዝበ ክርስትያን ከአ እምነቶም ዝኅይል ብምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ዝምገብ ዕለታዊ ሕይወት እንተነበሩ እዩ” እንክብሉ ምዒዶም።

ንእምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብጥሙር መንገዲ ምግልጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ካህንን ሊቅ ትምህርተ መለኮትን ግዴታ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም። ነዚ አብነት ዝኾኑና ኣብ መበል 12 ክፍለዘመን ዝነበሩ ዓቢይ ናይ ንባበ መለኮት ሊቅ አቡነ ጴጥሮስ ሎምባርዶ ምዃኖም ብምጥቃስ ከአ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ታሪኽ ሕይወቶም ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ቀንዲ ትምህርቶም አትዮም።

አቡነ ጴጥሮስ ሎምባርዶ ኣብ መንጎ መበል 11 ን 13 ን ክፍለ ዘመን ኖቫራ ኣብ እትብሃል ከተማ ሰሜናዊ ዓዲ ጣልያን ዝተወልዱን ኣብ በሎኛን ፓሪስን ዝተማህሩን ን8 ዓመት አብቲ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ኖትረ ዳም ከምዝመሃሩን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ንሓጺር እዋን ጳጳስ ናይ ፓሪስ ድሕሪ ምዃን ብ1060 ዓ.ም. ዓረፉ።

ካብቲ ዘስተምሃርዎን ዝጸሐፍዎን ብዙሕ ነገራት ሰንተንሰ እትብል ህብብቲ መጽሓፍ በርባዕተ ክፋል ቀሪባ፣ ትምህርቲ ሞራል ቤተክርስትያን አጽፊፋ እትምህር ክሳብ መበል 16 ክፍለዘምን መምሃርን መወከስን ትምህርቲ ሞራል ቤተክርስትያን ኮይና ከምዘገልገለት ትሕዝቶአ ገና ሎሚ እውን ብቍዕ ምዃኑ ገሊጾም።

ነዛ መጽሓፍ እዚአ ብልጽቲ ዝገበራአ ነጥብታት ንመዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብውሁድ መንገዲ ሠሪዕካ በብመንገዱ ምቅራብ እዩ። ሎሚ እዚ ብግዲ ከምዘድልየና እውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም .. አብነት አቡነ ጴጥሮስ ሎምባርዶ ብምኽታል ንኩሎም ሊቃውንቲ ትምህርተ መለኮትን ካህናትን ንመዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ዝብርዙ ናይ ዘመንና ከፋፈልቲ ጠባያትን ንንጽል ሓቅታት ቤተ ክርስትያን ዘቆናጽቡ ሓደጋታትን ንምሕላው ንኹሉ ብምልአት ሓደ ገሮም ክርእይዎ እዕድም” ክብሉ ዘለዎም ሃረርታ አብሪሆም።

ብድሕሪዚ ናብ ምእመናን ዘተኮረ ማዕዳ እውን ለጊሶም። ምእመናን ሎሚ እውን እንተኾነ ቤተ ክርስትያን ቀሪባትሎም ዘላ “ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን” መመላእታኡ ዝኾነ ኮምፐንድዩምን እምነቶም ንምዕማቝ ክጥቅመሎም አተሓሳሲቦም እንከብቅዑ ናብቲ ካልአይ ነጥቢ ብዛዕባ ምሥጢራት አቡነ ጴጥሮስ ሎምባርዶ ናብ ዝምህሮ ብምስጋር፦ “ምሥጢር ዝተባህለ ትኽክል እዩ ከመይ ዝርአ ምልክት ናይቲ ብዓይኒ ዘይረኤ ጸጋ እግዚአብሔር ብምዃን ናብ አምሳሉን መልክዑን ንኸብጽሓና ምኽንያት ስለዝኾኑ እዩ፣ ይብል፣ በዚ መግለጺ እዚ አቡነ ጴጥሮስ ሎምባርዶ ሕመረት ናይ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ይልግሰልና፣ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ምኽንያት ናይ ጸጋ ብምዃን መለኮታዊ ሕይወት ናይ ምሃብ ክእለት አለዎም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ንምሥጢራት ብመንፈሳውነት ከዘውትሮም አለዎ፣ ከመይ ኣብ ምሥጢራት ክርስቶስ በቲ ዝረኤ ምልክት ገቢሩ ይትንክፈና የንጸሐና ይልውጠና፣ ኣብ መለኮታዊ ዕርከነቱ ከም ንሳተፍ እውን ይገብረና፣” ድሕሪ ምባል ኣብዚ ዓምት ካህን ንካህናት ነዚ ፍሉይ ለበዋ ሂቦም፣ “ንካህናት ኩሎም ብፍላይ ከአ ኣብ ጉስነት ነፍሳት ተዋፊሮም ንዘለው ካህናት ንምእመናን ንኽሕግዘኩም ብምሥጢራት ዝተብሕተ ሕይወት ይሃሉኹም። ምሥራዕ ምሥጢራት ዕብየቶምን ክብሮም ኣብ ዝገልጹ ግላዊ አስተንትኖን ምስቲ ትርጉም ህላዌ እግዚአብሔር አብ ማእከልናን ውዕውዕ መንፈስ ስብከተ ወንጌልን ዝኾነ ማኅበራዊ ጾሎት ማኅበረ ክርስትያን አብ ምስታፍን ዝተምሥረተ ይኹን።” ብማለት ሓደራ ቢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ “ዝተፈቶኹም አዕሩኽተይ አብ አፈፌት ናይ ሓዲስ ዓመት ብምዃን ነዚ ዓመት እዚ ንዛዝሞ አሎና፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይዚ ዚመጽእ ዓመት ናይ ሰላሙ ሰባት ንምዃን ብርሃንን መሪሕን ኮይኑ ዕርክነት ጎይታና ኢየሱስ የሰኒኹም እናበልኩ ሠናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም፣” እንክብሉ ብምስጋናን ቡራኬን ትምህርቶም ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.