2009-12-19 14:00:01

ዒራቕ


ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳውያን ሥርዓት እትኽተል ናይ ባግዳድ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተሓባብሪ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ማኅበርሰብ ክርስትያን ዒራቕ RealAudioMP3 ንበይኑ ከይሕደግ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዒራቓውያን ክርስትያን ማኅበርሰብ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጸገምን ዓመጽን ኣብ ሞሱል ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስትያን ዝወረደ ናይ ቦምቢ ሓደጋን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ባግዳድ ኣብ ኣፈት ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ቦምቢ ዝተጸምዳ መኪና ተጠቂሞም ኣሸበርቲ ዘወረድዎ ሓደጋ ምኽንያት ዝሞቱ ክልተ ሰባትን ካልኦት ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ዝወረዶምን ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ክርስትያን ዒራቓውያን ንኽስደዱ ይድርኽ ከምዘሎ ጠቒሶም፣ እቶም ኣብ ሃገሮም ዝተርፉ ክርስትያን ድማ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ተዋሒጦም ከምዝርከቡን ገሊጾም፣ ኣብ ገዛእ ሃገርና ክንነብርን ወንጌል ከነስፋሕፍሕ ንናይ ዒራቕ ሰብኣውን መፍነሳውን ሕንጸት ማኅበራውን ሃይማኖታዊ ሰላምን ክንዓይን ጥራሕ ኢዩ ትምኒትና ኢሎም።

ኵለን ዝተፈላለያ ናይ ኢራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ነነዌ ክእከባ ንምግባር ዘሎ መንግሥቲ ዒራቕ ዘቕረቦ ዘሎ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ ከምዘይድግፍዎ እንክገልጹ፣ እዚ ሓሳብ’ዚ ክርስትያን ኢራቓዊ ክሕጸር ዝገብር ነጻነትን መሰል ሃይማኖትን ዘየኽብር ኢዩ ኢሎም፣ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዒራቓውን ኣቢያተ ክርስትያናት መጥቃዕትን ሓደጋን ክወርድ እንከሎ ኩሉ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን ቅርበቱን ደገፉን ይገልጽ፣ ደገፍን ቅርበትን ብዘይ ግብሪ ግን ባዶ ቃል ጥራሕ ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ኢራቓውያን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ፣ ዒራቕ ብዘይ ክርስትያን ዜጋታታ ክትተርፍ ዝሓቀነ መደብ ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ፣ ናይ ኪርኩክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ እዚ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ርክስትያንን ማኅበረሰብ ክርስትያን ዒራቕን ኣብ ልዕሊ ዘይ እስላማውያን ሃይማኖታትን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፣ ደህንነት ጸጥታን ምኽባር ግቡእን ግዴታን ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ሸለል ዝበሃል ጉዳይ ኮይኑ ምርኣዩ ነቲ ዘሎ ፍርሒ ከምዘግደዶን ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣሸበርቲ ኣብዛ ሃገር ናይ ሻሪዓ ሕጊ ከተኣታትዉ ብዝገብርዎ ጸቕጢ ናይ ንብረትን ሰብን ሓደጋ ብተደጋጋሚ ይርኤ ኣሎ ከምዝበሉ ኣለዉ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.