2009-12-19 13:56:38

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሮማ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮ ዘቕረብዎ መልእኽቲ


ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 17 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሮማ ናይ መላእ መናብረተ ጥበብ ተመሃሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎት ዘሰርክ ተሳቲፎምን ምዕዳን RealAudioMP3 ቀዱስ ኣቦና ከምእተቐበሉን ክንገር እንከሎ፣ ቅድሚ እቲ ርክብ፣ እዞም ተመሃሮ መናብረተ ጥበብ ነዚ ርክብ መቀራረቢ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ናይ መንበረ ጥበብ ቅድስቲ ድንግል ምርያም ናይ ሓባር ናይ ሳልስቲ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝፈጸሙ ዝዝከር ኢዮ።

ቅዱስ አቦና ጸሎተ ሰርክ እንክመርሑ ንዞም ተመሃሮ ጥበብ ነቲ ዓለም ብኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘቕርቦ ስነ ሓሳብ ዝዕንቅፍን ኣብ ሕቶ ዘእትው ኢዩ። እዚ ጥበብ እዚ ድማ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ካብ ኣፍ እቲ ልዑል እግዚኣብሔር ዝወጽእ ቃል ሥጋ ዝኾነን፣ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደን ኢዩ። እዚ ኢዩ እምበር እቲ ጥበብ ናይ እግዚኣብሔር ኢሎም። ብምቕጻል ውሳጣዊ ትርጉም ክርስትና ኣብቲ ምስ መለኮታዊ ጥበብ ዘለዎ መንነታዊ ሓድነት ዝቖመ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዚ ድማ እቲ ዘለኣለማዊ ቃል፣ ክርስቶስ ናዝራውን ታሪኹን ኢሎም።

ናይዚ ቅኔኣዊ ትርጉም ክርስትና’ዚ መፍትሒኡን ገላጺኡን ፍቕሪ ጥራሕ ኢዩ፣ ካልእ መገዲ የሎን፣ ፍጥረት ሰብ ሃረር ዝብሎ ዘለኣለማዊ ሕይወት፣ ነቲ ናይ እግዚኣብሒር ልብን ቃልን ስለ ዝተንከፎ ሰብኣዊ ኩነት ክለብስ ኣየሕፈሮን፣ እቲ ኣንሕና ዝሓፈርናሉ ከየሕፈሮ ንዓና መሲሉ ኢሎም፣ ብዘይ’ዚ ጥበብ እቲ ዝኾነ ዅሉ ፈጺሙ ኣይምስኮነን። እዚ ጥበብ ምዃን ዘረጋገጽ ኢዩ ኢሎም።

ሓደ ክርስትያን መምህርን ክርስትያን ተመሃራይ ኣብ ውሽጡ ነቲ ዝለዓለ ጥበብ ዘሎ ሓረርታ ኣብ ልቡ ዝሓቖፈ ኢዩ። በዚ ብርሃን እዚ ተመሪሑ ኣሰር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ የንብብን ይርእን ይርዳእን ኣብ ስነ ጽሑፋትን ታሪኽን ስነ ጥበብን ስነ ምርምርን ኣብ ኩሉ ይግንዘቦ። እቲ ዘደንጽእ ድማ እቲ ጥበብ ኣብታ በዓቲ ዝተወለደ ምዃኑን ኣብታ ዝተገለጸላ ለይቲ መን ኢዩ’ኸ ኣብኡ ዝነበረ፣ ናይ ሕጊ ሊቃውንቲ፣ ምምህራን ሕግን? ኣይኮኑ፦ ማርያምን ዮሲየፍን ደሓር ድማ ጓሶት ኢዩም ኣብኡ ዝንበሩ፣ እዚ ክብል እንከለኹ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ትምህርቲ ስነ ጥበብ ምርምር ኣየድልን ማለት ኣኮይነን ኢሎም፣ ኣብ ኩሉ ንኽንመሃርን ንኽንፈልጥን እንገብሮ ጻዕሪ ኣታ መንበረ ጥበብ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘርኣየቶን ዝነበረቶን ትሕትና ክንለብስ ይግበኣና ምስ በሉ፣ ብዙሕ ጊዜ እቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባናን ፍልጠትናን ማእከላዊ ስነ ኣመለኻኽታና ከይዕንቀፍ ቢልና ናብታ በዓቲ ምቕራብ ኣይፋለይን ንብል ንኸውን፣ ኣብታ በዓቲ እቲኣ ግን እቲ ትሒቱ ናባና ዝመጸን ሥጋና ዝለበሰ ሓቀይን እውነተይና ጥብብ ኢና እነለልይ ኢሎም።

ኣብታ በዓቲ እቲኣ ኣብ እግዚኣብሔርን ኣብ ሰብን ዘሎ ሓቂ ኢና እንርከብ ኢሎም፣ መምሃራንን ተመሃሮን ፍጥረት ሰብ ነዚ ሓቂ እዚ ከለልዩ ክድግፉን ብቓልን ብሕይወትን ክምስክሩን ኣተሓሳሲቦም፣ ናይ ፍቕሪ ምዕባለ ክስፋሕፋሕ መንስእሰይ ወለዶ ኣብዚ ፍቕሪ እዚ ክህነጽ ኣለዎ ኢሎም።

ናይዚ ልዑልን መልእልተ ጥበብ መንበሪኡ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እትገልጽ ቅድስቲ ምስሊ ካብ ኣውስትራሊያ ተበጊሳ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዑደት ንኽትገብር ድማ ካብ ኣውስትራሊያ ንዝመጹ ናይ መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ልኡኻት ነታ ምስሊ ካብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምእተረከብዋ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.