2009-12-19 13:57:31

ምጽኣት


ናይ ሓዋርያዊ መንበር ሰባኺ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ኣብ ናይ ሳልሳይን መወዳእታ ዘመነ ምጽኣት ሰሙን ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ እመ መድኃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ካልኦት ናይ ቀረባ RealAudioMP3 ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን፣ ካህናት ትሕትና ናይ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናቶም ገይሮም ክነብሩ ዝተጸውዑ ኢያቶም ኢሎም።

ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ መንጐ ቅድስት ድንግል ማርያምን ካህንን ዘሎ ርክብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ እቲ ርክብ እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዩ? ኣብ መንጎ ኣደነት ማርያምን ሓዋርያነት ካህንን ዘሎ ርክብ እንታይ ኢዩ? እንታይ ዓይነር ርክብ ኢዩ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ ማርያም ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ኣብ ማሕጸና ሓዲሩ፣ ንትሸዓተ ወረሒ ድማ ኣብ ከርሳ ነቢሩ፣ ተኻናኺናቶን ሓብሒባቶን ከተብቕዕ ኣብ ቤተ ልሄም ነዚ ብርሃን ዓለም’ዚ ወሊዳ። ካህን ቅቡዕ ብመንፈስ ቅዱስ ድልው ዝተብሃለ ብኽርስቶስ ተመሊኡ ንዓለም እዚ ብርሃን እዚ ክገልጽን ከላልን ኣብ ልቢ ምእመናን እዚ ብርሃን እዚ ክውለድ ዝገበርን እቲ ቃልን ሥጋን ክምግብን ሚስጢራት ክሰርዕን ዝተጸውዔ ኢዩ ኢሎም። እቲ ኣብ ማርያምን ካህንን ዘሎ ቀዳማይ ተምሳሌነት ነዚ ይመስል ኢሎም፣ ቀጺሎም ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ማርያም ብእምነት ጸኒሳቶ ብእምነት ድማ ወሊዳቶ ዝበሎ ጠቒሶም፣ ልክዕ ከማኡ ድማ ካህን ብእምነት ክርስቶስ ናብ ኣልባብ ፍጥረት ሰባት የብጽሕ ብእምነት ድማ ክርስቶስ ንፍጥረ ሰብ የላልይ ምስ በሉ፣ እነዅልካ ዝበልካዮ ይኹነለይ ዝብል ተወፋይነትን ተኣዝዞን ማርያም ብቐሊሉ ከምቲ ብልሙድ ዝበሃል ሕራይ ወይ ድማ እሺ ማለት ኣይኮነን፣ ነቲ ናይ ዘመና ባህልን ማኅበራውን ሰብኣውን ሃይማኖታውን ሥርዓታት ኵሉ ብሕልፊ ድማ ከምቲ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ ዕሥራን ክልተን ተጻሒፉ ዘሎ ብድንግልናኣ ዘይተረኽበት ጓል ኣብ ኣፍደገ ገዛ ኣቦኣ ተወሲዳ ብእምኒ ተውጊራ ትቐተል ዝብል ናይ ሙሴ ሕግ ኣነጺራ ትፈልጦ ኢያ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኵሉ ኣብ ልባ ሒዛ ከምዝበልካዮ ቢላ ንቲ ዅሉ ማኅበራውን ሃይማኖታውን ሕልኽላኻት ብኃይሊ እምነት በዲሃ ኢያ፣ እግዚኣብሔር ኵሉ ዝኽእል እውን እንተኾነ ነጻነት ሰብ ኣይግህስን፣ ፍቓድና ኣይረግጽን ኢዩ፣ ዋላ እኳ ልባ ብሰይፍ ክውጋእ ምዃኑ እንተፈለተት እውን ንጸዋዕታ እግዚኣብሔር ብሓጎስ ሓንጎፋይ ቢላ ኢያ ተቐቢላቶ። ብሓጎስ ንጸዋዕታ እግዚኣብሔር ናይ ዝቐርብ እነዅልካ ዝብል መልሲ ኣብነትን ኣርኣያን ኢያ ኢሎም።

ማርያም ኣሜን ኢላ፣ እቲ ኣሜን ድማ ኢየሱስ ኮይኑ፣ ማርያም ናይ ፍቕርን ምኡዝዝነትን ነጻነትን ኣብነት ምዃና እውን ኣረዲኦም፣ ካህን ከም ማርያም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 10 ፍቕዲ 7 ተጻሒፉ ከምዘሎ እነሆ ፍቓድካ ክገብር ቢለ እመጽእ ኣለኹ ዝብል ኢዩ ከምዝብሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.