2009-12-19 13:58:54

መበል 150 ዓመት ምስረታ ማኅበር ሳሊዛውያን


ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘ ሳለስ ማኅበረሰብ ማለት ናይቲ ሳሊዛውያን ብዝብል ስም ዝፍለጥ ምኅበር ኣብ 1859 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቫልዶኮ ብዶን ቦስኮ ዝተመሥረተ ማኅበር ዝተመሥረተሉ መበል 150 ዓመት ንክልተ RealAudioMP3 መዓልቲ ኣብ ቶሪኖ ዓቢ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢር።

ብምኽናይት መበል 150 ዓመት ምሥረታ ማኅበር ሳሊዛውያን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ ታሪኽ ናይዚ ማሕበር ምሥረታን መንፈሳውነቱን ዝገልጽ መጽሓፍ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ መእተዊ ብዝሃብዎ ቃል፣ መንፈሳውነት ሳሊዛውያን ፍቕሪ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ልባዊ ኣኽብሮት ንማርያምን ተኣማንነት ንር.ሊ.ጳ.ን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ናይ ቅዱስ ዶን ቦስኮ ኣስተምህሮታትን ሓሳባትን ምስ መንግሥታትን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ዝግበሩ ርክባት ናይ ዘተ ኣርእስታት ኮይኖም ከምዝርከቡ ድማ ገሊጾም።

ማኅበር ሳሊዛውያን ኣብዚ እዋን’ዚ 16 ሺሕን 092 ኣባላት ካህናትን ኣሕዋትን ከማኡ ድማ ማኅበር ደናግል ዶን ቦስኮ 15 ሺሕ ኣባላት ዝሓቖፈ ከምዝኾናን 23 ማኅበርሰብ ዶን ቦስኮ እውን ከምዘለዉ እንክንገር፣ በዚ 150 ዓመት ምሥረታ ማሕበር ሳሊዛውያን ምኽንያት ናይ’ዚ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ፓስኵዋለ ቻቨዝ ቪላኑዌቫ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ብቅዱስ ዶን ቦስኮ ዝተመሥረተን ብፍቓድ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስትያንን ዝቖመ ማኅበር ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ዝተምሥረተሉ ዕላማ መሪሕ ገይሩ፣ ኣብ መንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ተሓድሶ ይገብር ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ፈለማ መንፈሳዊ መንነት ማኅበር ዶን ቦስኮ ዳግም ምዕታርን፣ ብካልኣይ ደረጃ ድማ ናይ ዶን ቦስኮ ማኅበር ሕጊ ምቕባልን ምኽባርን ዶንቦስኮ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሎ መንፈሳዊ ተልእኾ ምኽባርን ምንባርን ብዝብሉ ሰለስተ ክፍልታት ዝተሰየ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.