2009-12-17 14:08:38

ናይ ርሑስ በዓል ልደት ተስፋ ምልውዋጥ


በቲ ፖፕ2ዮ ዝተሰየ ንቕዱስ ኣቦናን መንሰያትን ዘራኽብ ድረ ገጽ ናይ ርሑስ ቅዱስ በዓል ልደት መልእኽቲ ይቐርብ ከምዘሎ እንክንገር፣ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳው ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበ ርብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ RealAudioMP3 ብዛዕባ እዚ ሰናይ ትምኒት ምልኽቲ ምልውዋጥ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦናን መንእሰያት ዓለምን ርክብ ክህልው ተኣሚቱ ዝተሠርሔ ፖፕ2ዮ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃም፣ ካብ መላእ ኩርናዓታ ዓለም መንሰያት ንቕዱስ ኣቦና ናይ ርሑስ በዓል ልደት መልእኽቲ ከመሓላልፍሉ ከምዝኽእሉን ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ብሓቂ እቲ ኣብ መንጎ ቅዱስ ኣቦናን መንእሰያት ዓለም ዘሎ ርክብ ሕያው ምዃኑ ዘረጋገጽ ኢዩ ኢሎም። ቅድስቲ መንበር ብሕልፊ ድማ እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ እዚ መንሰያት በዚ መርበብ ሓበሬታ ተጠቂሞም ንቕዱስ ኣቦና ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ምስ ተሓበረ፣ ድሮ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽታት ከመሓላለፍ ምርኣዩ ኣዚዩ ዘሕጉስ ኢዩ ኢሎም። ቤተ ክርስትያን እዋናዊ ዘይቤ ቋንቋታትን ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃንን ተጠቂማ እቲ ዘይቅህምን ዘይሕከኽን ቅዱስ መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ከምዘላን ናይ መራኸቡ ብዙሃን ናይ ሓቂ መሳርሒ ክኾኑ ከምተነቓቕሕን እውን ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.